8 ንሕና ግና፥ ደቂ መዓልቲ ስለ ዝኾንና፥ እምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ለቢስና፥ ናይ ድሕነት ተስፋ ኸዓ፥ ከም ቁራዕ ርእሲ ደፊእና፥ ርእስና ብምግታእ ንንበር።
ኦ ነፍሰይ ንምንታይ ትሓዝኒ? ንምንታይከ ትህውኽኒ? ንመድሓኒ ገፀይ ንኣምላኸይ ከመስግኖ፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኒ።
ኦ ነፍሰይ ንምንታይ ትሓዝኒ? ንምንታይከ ትህውኽኒ? ንመድሓኒ ገፀይ ንኣምላኸይ ከመስግኖ ብእግዚኣብሄር ተኣመኒ።
ንፅድቂ ኸም ድርዒ ገይሩ ተኸደኖ፥ ንምድሓን ድማ ኸም ቍራዕ ርእሲ፥ ኣብ ርእሱ ደፍኦ። ክዳን ምፍዳይ ሕነ ተወንዘፈ፥ ንቕንዕና ድማ ኸም ባርኖስ ገይሩ ደረቦ።
ሰብ ምድሓን እግዚኣብሄር፥ ብህድኣት ተስፋ እንተ ገበረ ሰናይ እዩ።
እምበኣር እምነት፥ ተስፋ፥ ፍቕሪ፥ እዚኣቶም ሰለስቲኦም ፀኒዖም ይነብሩ፤ ካብዚኣቶም ዝዓቢ ግና ፍቕሪ እዩ።
ብቓል ሓቂ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር፥ ብየማንን ብፀጋምን ኣእዳውና ኣፅዋር ፅድቂ ብምሓዝ፥
ንሕና ግና፥ ብመንፈስ ብእምነት ክንፀድቕ ተስፋ ጌርና ንፅበ ኣለና።
ንተንኰል ሰይጣን ምክልኻል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ብምሉኡ ልበሱ።
ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ነቶም ኣሕዋትና ይኹን።
ንስኻትኩምስ፥ ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም። ንሕና፥ ደቂ ለይቲ ወይ ደቂ ፀልማት ኣይኮንናን።
ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እቲ ዘፍቀረና፥ ብፀጋኡ ኸዓ፥ ዘለኣለማዊ ምፅንናዕን፥ ሰናይ ተስፋውን ዝሃበና እግዚኣብሄር ኣቦና፥
እዛ ተስፋ እዚኣ፥ ድልድልትን ፅንዕትን ዝኾነት፥ ናይ ህይወትና መልህቅ እያ። ብመጋረጃ ሓሊፋ፥ ናብታ ውሽጣዊት መቕደስ እትበፅሕውን እያ።
ስለዙይ ሕቘ ልቦናኹም ተዓጢቕኩም፥ ንስራሕ ተዳለዉ፤ ብመጠን ንበሩ፤ ሙሉእ ተስፋኹም ከዓ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ኣብ እትረኽብዎ ፀጋ ይኹን።
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።
ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።