2 ሰራቒ ብለይቲ ኸም ዝመፅእ፥ መዓልቲ ጐይታውን ከምኡ ኸም እትመፅእ፥ ንስኻትኩም ብርግፅ ትፈልጡ ኢኹም እሞ።
ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ሓሳባት ልቡ እንተይገበረን እንተይፈፀመን ኣይምለስን እዩ። ኣብ ዳሕረዎት መዓልቲታት ብዝበለፀ ኽተስተውዕልዎ ኢኹም።
እምበኣር እታ ወዲ ሰብ ዝመፀላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ ንቕሑ።
“እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ብድንገት ከይትመፀኩምስ፥ ብስስዐን ብስኽራንን፥ ብናይ ናብራ ሓሳብን፥ ልብኹም ከይኸብድ ንርእስኹም ተጠንቀቑ!
ብመዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነውሪ ንኽትርከቡ፥ ንሱ ኽሳዕ መወዳእታ ኸፅንዐኩም እዩ።
ኣሕዋትና፥ ንስኻትኩም ግና፥ ኣብ ፀልማት ስለ ዘይትነብሩ፥ እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከም ሰራቒ ኣይትመፀኩምን እያ።
ብመንፈስ ወይ ብቓል፥ ወይ ካባና ኸም ዝተፅሓፈት መልእኽቲ ብምምሳል፥ “ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ በፂሓ እያ” ኢልኩም፥ ቀልጢፍኩም ኣይትደንግፁን ኣይትተሃወኹን።
ኢያሱ ምስ ኵሎም ሰራዊቱ፥ ኣብ ማይ ማሮን መፂኡ፥ ብድንገት ሓደጋ ኣብፅሐሎም።
መዓልቲ ጐይታ ግና፥ ከም ሰራቒ ኾይና ኽትመፅእ እያ፤ ሽዑ ሰማያት በዓብዪ ድምፂ፥ ጥዋዕዋዕ እናበሉ ኽሓልፉ እዮም፤ ፍጥረት ሰማይውን፥ ብሓዊ ነዲዱ ኽመክኽ እዩ፤ ምድርን፥ ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን፥ ክነድድ እዩ።
“እንሆ፥ ከም ሰራቒ ኽመፅእ እየ፤ ጥራዩ ምእንቲ ኸይኸይድ፥ ንሓፍረቱውን ሰብ ከይሪኦ፥ እቲ ዝነቅሕን ክዳኑውን ዝሕሉ፥ ብፁእ እዩ።”
ደጊም ከመይ ከም ዝተቐበልካን፥ ከም ዝሰማዕኻን ዘክር፤ ሓልዎ፤ ተነሳህውን። እንተ ዘይነቒሕኻ ግና፥ ከም ሰራቒ ኽመፀካ እየ፤ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፀካውን፥ ኣይትፈልጥን ኢኻ።