18 ብዅሉ ኣመስግኑ፤ እዙይ ንኣኻትኩም፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ፍቓድ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።
ከምዙይ ድማ በለ፦ “ጥራሐይ እየ ኻብ ማህፀን ወላዲተይ ዝወፃእኹ፤ ጥራሐይ ከዓ ናብ መቓብር ክኣቱ እየ። እግዚኣብሄር ሃበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ፤ ስም እግዚኣብሄር ዝተባረኸ ይኹን” ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ እባርኾ፤ ምስጋናኡውን ኵልሻዕ ኣብ ኣፈይ እዩ።
ዳንኤል ድማ እዝ ሕጊ እዙይ ብኣዋጅ ከም ዝወፀ ምስ ፈለጠ፥ ናብ ቤቱ ኸደ። እታ ኣብ ደብሪ ዝነበረት ቤቱ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢለን ዝጥምታ መሳዅቲ ነበራኣ። እተን መሳዅቲ ብኽፉታተን ከዓ፥ ከምቲ ቐደም ዝገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሻዕ ኣብ መዓልቲ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ ፀለየን ኣመስገነን።
ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ስለ ዅሉ ነገር፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኵልሻዕ ኣመስግንዎ።
ንዅሉ ነገር፥ ብፀሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ድልየትኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፥ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ።
ብቓል ኮነ ወይ ብግብሪ እትገብርዎ ዅሉ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግበርዎ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኣመስግንዎ።
ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ንስኻትኩም ክትቅደሱን ካብ ዝሙት ክትርሕቑን እዩ እሞ።
እምበኣርከስ ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር፥ መስዋእቲ ምስጋና ብኢየሱስ ነቕርብ፤ እዙይ ከዓ፥ ናይተን ንስሙ ዝምስክራ ፍረ ኸናፍርና እዩ።
ሰናይ እናገበርኩም፥ ናይ ዓያሹ ኸንቱ ዘረባ ስቕ ክተብሉ፥ ፍቓድ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።
ዓለምን፥ እቲ ዅሉ ፍትወታን፥ ሓላፋይ እዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝገብር ግና፥ ንዘለኣለም ይነብር።