13 ስለ እቲ ስራሖም፥ ብፍቕሪ ኣብሊፅኩም ኣኽብርዎም፤ ንስንሳትኩምውን ብሰላም ንበሩ።
ሽዑ ነሕዋቱ ኣፋነዎም፤ ምስ ተልዓሉ ድማ “ኣብ መንገዲ ንስንሳትኩም ኣይትበኣሱ” በሎም። ንሳቶምውን ከዱ።
እንሆ፥ ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም እንትነብሩ፥ ከመይ ሰናይ እዩ! ኸመይከ ፅቡቕ እዩ!
“ንኣኻትኩም ዝቕበል፥ ንኣይ ይቕበል፤ ንኣይ ዝቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበል።
ጨው ፅቡቕ እዩ። እቲ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ ብምንታይ ተመቅርዎ? እምበኣር ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃሉኹም፤ ንስንሳትኩምውን ተሰማሚዕኹም ብሰላም ንበሩ።”
ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ እዙይ እእዝዘኩም ኣለኹ።
ብዝተረፈ፥ ኣሕዋተይ፥ ደሓን ኩኑ፤ ፍፁማን ኩኑ፤ ምኽረይ ስምዑ፤ ሓደ ልቢ ኹኑ፤ ብሰላም ንበሩ፤ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከዓ፥ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።
እቲ ሕማመይ ንኣኻትኩም ፈተና እኳ እንተ ነበረ፥ ኣይነዓቕኩምንን፤ ወይ ኣይተፀየፍኩምንን። እኳ ደኣ፥ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ከም ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ እምበር።
ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያዋይነት፥ እምነት፥
እቲ ነቲ ቓል ዝመሃር ከዓ፥ ካብቲ ዘለዎ ፅቡቕ ነገራት ምስቲ መምህሩ ይካፈሎ።
ነቲ ናይ መንፈስ [ቅዱስ] ሕብረት፥ ብመእሰሪ ሰላም ጠሚርኩም ክትሕልውዎ ፀዓሩ።
ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኴንኩም፥ ንሰላም ተፀዊዕኹም ኢኹም እሞ፥ ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፤ ኣመስገንቲ እውን ኩኑ።
ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝነብሩ ገስፅዎም፤ ነቶም ተስፋ ዝቐበፁ ኣተባብዕዎም፤ ነቶም ድኹማት ሓግዝዎም፤ ምስ ኵሉውን ዕጉሳት ክትኮኑ፥ ንምዕደኩም ኣለና።
እምበኣር ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ፥ ብዅሉ ወገን፥ ኵልሻዕ ሰላም ይሃብኩም። ጐይታ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን።
ካብ ክፉእ ናይ ጕብዝና ትምኒት ህደም፤ ምስቶም ብንፁህ ልቢ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፅውዕዎ ኸዓ፥ ኣሰር ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ሰላምን፥ ሰዓብ።
ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ፤ ብዘይ ቅድስና፥ ሓደኳ ንእግዚኣብሄር ዝሪኦ የለን እሞ፥ ቅዱሳን ክትኮኑ ፀዓሩ።
ፍረ ፅድቂ፥ ብገበርቲ ሰላም፥ ብሰላም ይዝራእ።