4 ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ሰብነቱ ብቕድስናን ብኽብርን ዓቂብካ ምንባር ይፍለጥ።
ጐይታ ግና “ኪድ ደኣ፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ነገስታትን ህዝቢ እስራኤልን፥ ስመይ ክፀውር ዘለዎ፥ ናተይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ብትምኒት ልቦም ንስንሳቶም ሰብነቶም ከሕስሩ፥ ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም።
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስን፥ መስዋእቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ፥ ብምሕረት እግዚኣብሄር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
ከም ልማድ ሰብ ዝዛረብ ዘለኹ፥ ብስጋኹም ድኹማት ስለ ዝኾንኩም እዩ። ከምቲ ንርኽሰትን፥ እናገደደ ንዝኸይድ ክፍኣትን ንኽግዛእ፥ ኣካላትኩም ዝወፈኹም፥ ከምኡ ድማ ሕዚ ናብ ቅድስና ንዘብፅሕ ፅድቂ፥ ኣካላትኩም ወፍዩ።
እቲ ሰብነትኩም፥ ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እሞኸ ደኣ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደ፥ ኣካል ኣመንዝራዶ ኽገብሮ ይግባእ እዩ? ኣይግባእን!
ግና ኻብ ዝሙት ምእንቲ ኽርሕቕ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥ ናይ ባዕሉ ሰበይቲ ትሃልዎ። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ እውን፥ ናይ ባዕላ ሰብኣይ ይሃልዋ።
ንሰብነቶም ክቈፃፀሩ እንተ ዘይኽኢሎም ግና ይመርዐዉ፤ ብፍትወት ካብ ምቅፃል፥ ምምርዓው ይሐይሽ እዩ እሞ።
ግና እቲ ዓብዪ ሓይሊ፥ ናይ እግዚኣብሄር እምበር፥ ናትና ኸም ዘይኮነ ምእንቲ ኽገሃድ፥ ካብ መሬት ኣብ ዝተፈጥረ ሰብነትና፥ እዝ ናይ ፍልጠት መዝገብ ኣለና።
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ሓቂ ዝኾነ ዅሉ፥ ክቡር ዝኾነ ዅሉ፥ ሰናይ ዝኾነ ዅሉ፥ ንፁህ ዝኾነ ዅሉ፥ ተፈታዊ ዝኾነ ዅሉ፥ ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ፥ ብሉፅ ወይ ምስጉን ዝኾነ ነገር እንተ ሃልዩ፥ ብዛዕባ እዝ ነገራት እዙይ ሕሰቡ።
መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር ይኹን፤ እቲ ዓራት ኣሚን ከዓ ኣይርከስ። ንኣመንዝራታትን ንዘመውትን ግና፥ እግዚኣብሄር ክፈርዶም እዩ እሞ።
ከምኡውን፥ ኣቱም ሰብኡት፥ ፀሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፥ ምስ ኣንስትኹም ብምስትውዓል ንበሩ፤ ንሳተን ካባኻትኩም ድኽም ዝበላ እየን፤ ንፀጋ ህይወት ድማ መዋርስትኹም እየን እሞ ኣኽብርወን።
ዳዊት ከዓ ነቲ ኻህን “ብሓቂ ኻብ እንወፅእ ጀሚሩ ንሕና ንሰብነትና ኻብ ኣንስቲ ንሰለስተ መዓልቲ ሓሊና ኢና፤ ኣቕሓ እቶም ኣጓብዝውን፥ ዝተቐደሰት እያ። ሎሚ ኣቕሓኦም ዝተቐደሰት ብምዃና፥ እቲ እንጀራ ኸም ዝብላዕ እንጀራ ይኸውን እዩ” በሎ።