2 ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እንታይ ዓይነት ትእዛዝ ኸም ዝሃብናኩም ትፈልጡ ኢኹም።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ ኣለኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፥ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም።
ነቶም ሕጊ ዘይብሎም ምእንቲ ኸድሕን፥ ሕጊ እግዚኣብሄር ዘለንን፥ ብሕጊ ክርስቶስ ዝነብርን እኳ እንተ ሃለኹ፥ ምስቶም ሕጊ ዘይብሎም፥ ሕጊ ኸም ዘይብሉ ኾንኩ።
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ከመይ ጌርኩም ክትነብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ካባና ተምሂርኩም ኢኹም። ድሮ እኳ ትነብርዎ ኣለኹም። ሕዚ ኸዓ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትነብርዎ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ንልምነኩምን ነተባብዐኩምን ኣለና።
ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ንስኻትኩም ክትቅደሱን ካብ ዝሙት ክትርሕቑን እዩ እሞ።
ምሳኻትኩም እንተለና፥ እቲ “ክሰርሕ ዘይደሊ ኣይብላዕ” ዝብል ትእዛዝ ሂብናኩም ኔርና ኢናሞ።
ሕዚ ኸዓ ኣቱም ኣሕዋትና፥ በቲ ኻባና ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዘይነብር፥ ብዘይ ስርዓት ካብ ዝመላለስ ሓው ክትፍለዩ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእዝዘኩም ኣለና።