17 ብድሕሪዙይ ንሕና ብህይወት እንፀንሕ፥ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፥ ምስኣቶም ሓቢርና፥ ብደመና ክንዓርግ ኢና። ንሓዋሩ ድማ፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።
ካባኻ ምስ ከድኩ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣነ ናብ ዘይፈልጦ እንተ ወሰደካ፥ ኣነ ድማ ንኣክኣብ ምስ ነገርክዎ እንተ ዘይረኸበካ ኽቐትለኒ እዩ። ንስኻ ግና ኣነ ሓሽከርካ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽ ምዃነይ ዘክር።
እናተዘራረቡ ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ እንሆ፥ ሰረገላታት ሓዊን ኣፍራስ ሓዊን፥ ኣብ መንጎኣቶም ኣትዮም ንኽልቲኦም ፈላለይዎም። ኤልያስ ድማ ብንፋስ ኣውሎ ናብ ሰማይ ዓረገ።
ንሳቶም ድማ “እንሆ፥ ምስ ሓሻኽርካ ሓምሳ ብፁሓት ኣጓብዝ ኣለዉ እሞ፥ ንጐይታኻ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣልዒሉ ናብ ሓደ እምባ ወይ ኣብ ሓደ ዓሚቝ ቦታ ደርቢይዎ ኸይኸውንስ፥ በይዛኻ ኸይዶም ክደልይዎ ንልምነካ ኣለና” በልዎ። ንሱ ግና “ኣይትስደዱ” በሎም።
መንገዲ ህይወት ኣርአኻኒ፤ ምስ ገፅካ ታሕጓስ ኣፅገብካኒ፤ ኣብ የማንካውን ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣሎ።
ኣነ ግና ብፅድቂ፥ ገፅካ ኽርኢ እየ፤ ክብርኻ ብምርኣይ ከዓ ኽፀግብ እየ።
ንኣይ ግና እግዚኣብሄር ክቕበለኒ እዩሞ፤ ንነፍሰይ ካብ ኢድ ሲኦል ክቢዘዋ እዩ።
ብምኽርኻ መራሕኻኒ፤ ምስ ክብሪውን ተቐበልካኒ።
እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ እዮም፤ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክኣትዉ እዮም፤ ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ሓዘንን ትካዘን ክሃድም እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም።
ለይቲ ብራእይ ክጥምት እንተለኹ፥ እንሆ፥ ወዲ ሰብ ዝመስል፥ ብደመና ሰማይ ይመፅእ ነበረ። ናብቲ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ዝነበረ ድማ በፅሐ፤ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ።
ኢየሱስ ከዓ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ፤ ድሕሪ ሕዚ ግና፥ ወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ እግዚኣብሄር ተቐሚጡ፥ ብደመና ሰማይ ክመፅእ እንተሎ፥ ክትሪእዎ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ” በሎ።
“ኢየሱስ ድማ ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ከዓ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፥ ብደመና ሰማይ ክመፅእ እንተሎ ኽትሪእዎ ኢኹም” በሎ።
እቲ ኸገልግለኒ ዝደሊ ይከተለኒ፤ እቲ ዘገልግለኒ ኸዓ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ ኽነብር እዩ። ነቲ ዘገልግለኒውን፥ ኣብ ከኽብሮ እዩ።
ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ፥ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ተመሊሰ ኽመፅእ እየ፤ ናባይውን ክወስደኩም እየ።
ኦ ኣቦ! ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ንኣይ ብምፍቃርካ፥ ዝሃብካኒ ኽብሪ ምእንቲ ኽሪኡ፥ እዞም ዝሃብካኒ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ፥ ንሳቶምውን ኣብኡ ኽህልዉ እደሊ ኣለኹ።
እዙይ ምስ በለ ድማ፥ እናረአይዎ ንሰማይ ዓረገ፤ ካብ ኣዒንቶም ከዓ፥ ደመና ሰወሮ።
ካብቲ ማይ ምስ ወፁ ኸዓ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ ወሰዶ፤ ብድሕሪኡ እቲ ስሉብ መሊሱ ኣይረኣዮን፤ እናተሓጐሰውን መንገዱ ቐፀለ።
ካብዝ ሰብነት እዙይ ተፈሊና፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ይሕሸና ኢልና፥ ብትብዓት ንዛረብ።
በዘን ክልተ ነገራት እዚኣተን እጭነቕ ኣለኹ፤ ብዝበለፀ ዝሕሸኒ ስለ ዝኾነ ግና፥ ካብዙይ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ።
በታ ጐይታ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ዝመፀላ መዓልቲ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦና፥ ነቐፋ ዘይብሎም ቅዱሳን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ልብኹም የበርትዕ።
ንሕና ኽሳዕ ምፅኣት ጐይታ፥ ብህይወት እንፀንሕ ኸዓ፥ ነቶም ዝደቀሱ ኸቶ ኸም ዘይንቕድሞም፥ ብቓል ጐይታ ንነግረኩም ኣለና።
ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን፥ ንስንሳትኩም ተፀናንዑ።
እንተ ነቓሕና ወይ እንተ ደቀስና፥ ምስኡ ሓቢርና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞተ።
ንሕና ግና ኸምቲ ዘተስፈወና፥ ፅድቂ ዝነብረሉ፥ ሓድሽ ሰማይን፥ ሓዳስ ምድርን፥ ንፅበ ኣለና።
እንሆ ንሱ ብደመና ኽመፅእ እዩ፤ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎውን ክሪእዎ እዮም፤ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ፥ ብእኡ ምኽንያት ክበኽዩ እዮም። እወ፤ ኣሜን።
ሓደ ዓብዪ ድምፂ ድማ፥ ካብ ሰማይ፥ “ናብዙይ ደይቡ” ኽብሎም እንተሎ ሰምዑ። እቶም ፀላእቶም እናረአይዎም ከዓ፥ ብደመና ናብ ሰማይ ዓረጉ።
ንሳ፥ ንዅሎም ኣህዛብ፥ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም ዘለዎ ወዲ ወለደት። እቲ ወዳ፥ ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ዙፋኑን፥ ብቕፅበት ተወሰደ።