14 ኢየሱስ ከም ዝሞተ፥ ካብ ሞትውን ከም ዝተስአ፥ እንተ ደኣ ንኣምን ኴንና፥ እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብኢየሱስ ኣሚኖም ደቂሶም ዘለዉ፥ ብኢየሱስ ኣተሲኡ ምስኡ ኸምፅኦም እዩ።
“ንጋድ ዘመትቲ ክዘምቱሉ እዮም፤ ንሱ ግና እግሪ እግሮም ስዒቡ ኸሳጕጎም እዩ።
ምውታንካ ህያዋን ክኾኑ፥ ሬሳታትውን ክትስኡ እዮም፤ ኣውልኻ ኣውሊ ብርሃን እዩሞ፥ ምድሪ እውን ንምውታን ክተውፅኦም እያሞ፥ ኣቱም ኣብ ምድሪ እትነብሩ ንቕሑ፤ ብሓጐስውን ዘምሩ።
ኣብ ልዕሊ ፈረስን በቕልን ግመልን ኣድግን፥ ኣብቲ ሰፈር እቱይ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ዅሉ እንስሳን ዘፅንት መዓት ክወርድ እዩ።
ንሱ ንመላእኽቱ፥ ብብርቱዕ ድምፂ መለኸት ክልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ንሕሩያቱ፥ ካብ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ካብ ኣርባዕተ መዓዝን ክእክብዎም እዮም።”
ስለዙይ ከዓ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታንን ህያዋንን፥ ምእንቲ ክኸውን ኢሉ እዩ፥ ዝሞተን ካብ ሞት ዝተስአን።
ናይቲ ንኢየሱስ ካብ ሞት ዘተስኦ መንፈስ፥ ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተ ሃልዩ ግና፥ እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ዘተስኦ፥ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፥ በቲ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፥ ህያው ክገብሮ እዩ።
በታ ጐይታ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ዝመፀላ መዓልቲ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦና፥ ነቐፋ ዘይብሎም ቅዱሳን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ልብኹም የበርትዕ።
ግና፥ ኣሕዋተይ፥ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት፥ ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፥ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ኽትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።
ብድሕሪዙይ ንሕና ብህይወት እንፀንሕ፥ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፥ ምስኣቶም ሓቢርና፥ ብደመና ክንዓርግ ኢና። ንሓዋሩ ድማ፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።
ሕዚ ኸዓ፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ብዛዕባ ምፅኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብዛዕባ እቲ ናብኡ ምእካብናን፥ እንነግረኩም እዙይ እዩ፦
እቲ ህያውን ኣነ እየ። ሞይተውን ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፤ መፍትሕ ሞትን ሲኦልንውን ኣለኒ።
ካብ ሰማይ ከዓ፥ “እቶም ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብጐይታ ኢየሱስ ኣሚኖም ዝሞቱ፥ ብፁኣን እዮም፤ ኢልካ ፀሓፍ” ዝብለኒ ድምፂ ሰማዕኹ። መንፈስ ቅዱስ ከዓ “እወ፥ ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ፥ ካብ ፃዕሮም ክዓርፉ እዮም” በለ።