13 ግና፥ ኣሕዋተይ፥ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት፥ ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፥ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ኽትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።
ኵሎም ኣወዳቱን ኣጓላቱን ድማ ኸፀናንዕዎ መፁ። ንሱ ግና ምፅንናዕ ኣበየ፤ “ብሓዘን ናብ ወደይ፥ ናብ መቓብር ክወርድ እየ” በለ። ስለዙይ ኣቦኡ ብዛዕባኡ በኸየ።
ሽዑ ንጉስ የመና ሕንቕንቕ በለ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ዘሎ ደርቢ ደዪቡ ድማ በኸየ። “ወደይ ኣቤሴሎም! ወደይ! ወደይ ኣቤሴሎም! ክንዳኻ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ? ወደይ ኣቤሴሎም! ወደይ!” ኢሉ በኸየሉ።
እንተ ዘይኮነ፥ ንስኻ ጐይታይ ንጉስ ምስ ሞትካ፥ ኣነን ሰሎሞን ወደይን ከም ዓመፅቲ ኽንቍፀር ኢና” በለቶ።
ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ተቐበረ።
ከምዙይ ድማ በለ፦ “ጥራሐይ እየ ኻብ ማህፀን ወላዲተይ ዝወፃእኹ፤ ጥራሐይ ከዓ ናብ መቓብር ክኣቱ እየ። እግዚኣብሄር ሃበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ፤ ስም እግዚኣብሄር ዝተባረኸ ይኹን” ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
ሓጥእ ብኽፍኣቱ ይግምጠል፤ ፃድቕ ግና እንተ ሞተ እኳ መዕቘቢ ኣለዎ።
ሽዑ ንሱ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም፥ ናይ ኵላ ቤት እስራኤል እዮም፤ እንሆ ንሳቶም ‘ኣዕፅምትና ነቐፃ፤ ተስፋና ተቐበፀ፤ ንሕና ጠፊእና ኢና’ ይብሉ ኣለዉ።
ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሓመድ ምድሪ ዝደቀሱ፥ ብዙሓት ክትስኡ እዮም፤ ገሊኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፥ ገሊኣቶም ከዓ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ሓሳርን ክትስኡ እዮም።
ሰብ እንተ ሞተኩም ስጋኹም ኣይትባሕጭሩ፤ ብውቃጦ ድማ ምልክት ኣይትግበሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ቀረባ ዘመዱ፦ እኖኡ፥ ወይ ኣቦኡ፥ ወይ ወዱ፥ ወይ ጓሉ፥ ወይ ሓዉ፥
መቓብራትውን ተኸፈቱ፤ ሞይቶም ዝነበሩ ናይ ብዙሓት ቅዱሳን ሬሳታት ድማ፥ ካብ ሞት ተስኡ።
ማርታ ድማ፥ “በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ፥ ብትንሳኤ ኸም ዝትስእስ እፈልጥ እየ” በለቶ።
ዳዊት ግና ብዘመኑ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣገልግሎቱ ምስ ፈፀመ ዓረፈ፤ ተቐቢሩ ኸዓ ምብስባስ ረአየ።
ተንበርኪኹ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ “ኦ ጐይታ፥ ነዙ ሓጢኣት እዙይ ኣይትቝፀረሎም” በለ። እዙይ ምስ በለውን ዓረፈ።
ንእስጢፋኖስ፥ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ሰባት ኣልዒሎም ቀበርዎ፤ መሪር ብኽያትውን በኸዩሉ።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ከምቲ ኣብቶም ካልኦት ኣህዛብ ዝረኸብክዎ ፍረ፥ ኣባኻትኩምውን ምእንቲ ኽረክብ፥ ናባኻትኩም ንምምፃእ ብዙሕ ጊዜ ኸም ዝመደብኩ፥ እንተ ኾነ ኽሳዕ ሕዚ ኸም ዘይተኽኣለኒ፥ ክትፈልጡለይ እደሊ።
ኣሕዋተይ፥ ንዅላቶም ኣቦታትና ደመና ኸም ዘፅለለሎም፥ ኵላቶምውን ባሕሪ ኸም ዝተሳገሩ፥ ክትፈልጡ እደሊ እየ።
ሕዚ ኸዓ ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ መንፈሳዊ ውህብቶ፥ ክትፈልጡ እደሊ እየ።
ብድሕሪኡ፥ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዝበዝሑ ኣሕዋት፥ ብሓደ ጊዜ ተርአየ፤ ካብኣቶም እቶም ዝበዝሑ ኽሳዕ ሎሚ ኣለዉ፤ ገሊኣቶም ግና ደቂሶም እዮም።
ኣሕዋትና፥ ኣብ እስያ ዝረኸብናዮ መከራ ኽትፈልጡ እደሊ። ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለ ዝኸበደና፥ ንህይወትና ቐቢፅናያ ነበርና።
ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኻብ እግዚኣብሄር ዝረሓቕኩም፥ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፥ ነታ ኺዳን ተስፋ ኣጋይሽ፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸዓ፥ ብዘይ እግዚኣብሄር እትነብሩ፥ ተስፋ ዘይብልኩም ከም ዝነበርኩም ዘክሩ።
ንሕናውን ቀደም ኵልና ኸምኣቶም፥ ትምኒት ስጋና እናፈፀምና፥ ከም ድልየትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህርይና ኸምቶም ካልኦት፥ ደቂ ቝጥዓ ነበርና።
ኢየሱስ ከም ዝሞተ፥ ካብ ሞትውን ከም ዝተስአ፥ እንተ ደኣ ንኣምን ኴንና፥ እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብኢየሱስ ኣሚኖም ደቂሶም ዘለዉ፥ ብኢየሱስ ኣተሲኡ ምስኡ ኸምፅኦም እዩ።
ንሕና ኽሳዕ ምፅኣት ጐይታ፥ ብህይወት እንፀንሕ ኸዓ፥ ነቶም ዝደቀሱ ኸቶ ኸም ዘይንቕድሞም፥ ብቓል ጐይታ ንነግረኩም ኣለና።
እንተ ነቓሕና ወይ እንተ ደቀስና፥ ምስኡ ሓቢርና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞተ።
እምበኣር ንንቃሕ፤ ርእስና ንቘፃፀር ደኣ እምበር፥ ከምቶም ካልኦት ደቀስቲ ኣይንኹን።
ንሳቶም “ተስፋ ምፅኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ? ካብታ ኣቦታትና ዝሞቱላ መዓልቲ፥ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ጀሚሩ፥ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ” ይብሉ።
ግና ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብእግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፥ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃና፥ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትረስዑ።