11-12 ኣብ ናብራኹም፥ ካብ ሰብ ምእንቲ ኸይትደልዩ፥ እቶም ካብ እምነት ወፃኢ ዘለዉ ኸዓ፥ ምእንቲ ከኽብሩኹም፥ ከምቲ ዝኣዘዝናኩም ብህድኣት ክትነብሩን፥ ኣብ ናይ ባዕልትኹም ጉዳይ ክተተኵሩን፥ ብኢድኩም ክትሰርሑን፥ ንምዕደኩም ኣለና።
ጐይቊ ኣብ ዘለዎ ገዛ፥ ሕሩድ ካብ ምብላዕ፥ ንቑፅ ቝራስ ምስ ሰላም ይበልፅ።
ምጅማር ጐይቊ፥ ከም ኣፋስሳ ማይ እዩ፤ ስለዙይ ጐይቊ እንተይተባርዐ፥ ንስኻ ኻብ ነገር ረሓቕ።
ግና ኽልተ ኢድ ምሉእ ክትረክብ ኢልካ ኻብ ምፅዓርን ደድሕሪ ንፋስ ካብ ምጕያይንስ ሓንቲ ኢድ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ዕረፍቲ ይሐይሽ።
ሰብ ምድሓን እግዚኣብሄር፥ ብህድኣት ተስፋ እንተ ገበረ ሰናይ እዩ።
ከምቲ ገዛኡ ሓዲጉ ዝገይሽ ሰብ እሞ፥ ንኣገልገልቱ ንነፍሲ ወከፎም ሓላፍነት ሂቡ ሰስራሖም ዘትሕዞም፥ ነቲ ሓላዊ ኣፍ ደገውን፥ ክነቅሕ ከም ዝእዝዞ እዩ።
ከምኣቶም ሰፋዪ ድንኳን ስለ ዝነበረ ድማ፥ እናሰርሐ ምስኣቶም ተቐመጠ።
ከምኡውን ስራሕ ምስራሕ፥ ድኻታት ምርዳእ ከም ዝግባእ፥ ጐይታና ኢየሱስ ‘ካብቲ ዝቕበል፥ እቲ ዝህብ ዝበለፀ ዝተባረኸ እዩ’ ዝበሎ ቓል ዘክሩ።”
ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣይትተሃከዩ፤ ብመንፈስ ዝተቓፀልኩም ኩኑ፤ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ፤
ከምቲ ኣብ መፅሓፍ፥ “እቶም ብዛዕባኡ ዘይተነገሮም፥ ክሪኡ እዮም፤ እቶም ብዛዕባኡ ዘይሰምዑውን፥ ከስተውዕሉ እዮም” ዝብሎ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ዝመስረቶ ምእንቲ ኸይሃንፅ፥ ክርስቶስ ኣብ ዘይተፀውዐሉ ዅሉ ስፍራ፥ ወንጌል ክሰብኽ ብርቱዕ ድልየት ኣለኒ።
በእዳውና እናሰራሕና ንደክም ኣለና። ንዝፀርፉና ንምርቕ፥ ንዘሳጕጉና ንዕገስ፥
ብህይወት እናሃለና ኾነ እንተ ተፈለና፥ ንእኡ ንምሕጓስ ንፅዕር ኣለና።
እቲ ሰራቒ ዝነበረ፥ ደጊም ኣይስረቕ፤ እኳ ደኣ፥ ነቲ ዝፀገሞ ዘማቕሎ ምእንቲ ኽህልዎስ፥ ፅቡቕ ስራሕ እናሰርሐ ደኣ፥ በእዳዉ ይፅዓር እምበር።
ምእንቲ ነገስታትን፥ ምእንቲ ሰበ ስልጣንን፥ ክግበር እምዕድ ኣለኹ። እዙይ ከዓ ብመንፈሳዊነትን፥ ህዱእን፥ ሰላማዊን፥ ዝኾነ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር እዩ።
ኣብ ልዕሊ እዙይውን፥ ገዛ ንገዛ እናዞራ፥ ምብኳር ስራሕ እየን ዝመሃራ፤ ምብኳር ስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ክዛረባኦ ዘይግባእ እናተዛረባ፥ ሓመይትን መውረይትን፥ ኣብ ዘየእትወን ዝኣትዋን እየን ዝኾና።
እቶም ናትናውን፥ ዕለታዊ ምግቦም ባዕልቶም ክሓልዩ፥ ሰናይ ስራሕ ክሰርሑ ደኣ ይመሃሩ እምበር፥ ብዘይ ፍረ ኣይንበሩ።
ፅባቐኽንስ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብሊፁ ኽቡርን፥ ዘይጠፍእን፥ ብልውህናን ብህድኣትን ዝተሸለመ መንፈስ፥ ኣብ ልቢ ተሰዊሩ ዘሎ፥ ናይ ውሽጢ ሰብነት ይኹን።
ሓደኳ ኻባኻትኩም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባሪ ክፉእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ፥ መከራ ዝቕበል ኣይሃሉኹም።