7 ስለዙይ፥ ኣሕዋተይ፥ ኣብ ኵሉ ጭንቅናን መከራናን፥ በቲ ናታትኩም ኣብ እምነት ምፅናዕ ተፀናኒዕና ኣለና።
በቲ ንባዕልትና ኻብ እግዚኣብሄር እንፀናንዐሉ ምፅንናዕ፥ ነቶም ኣብ መከራ ዘለዉ ዅላቶም ክነፀናንዕ ምእንቲ ኽከኣለና፥ ብመከራና ዅሉ ዘፀናንዐና ንሱ እዩ።
ስለዙይ ድማ ተፀናናዕና። ኣብቲ ናትና ምፅንናዕ ብተወሳኺ፥ ቲቶ ብምሕጓሱን ንመንፈሱ ስለ ዘዕረፍኩምዎን፥ ብዝበለፀ ተሓጕስና ኣለና።
ሕዚ ግና፥ ጢሞቴዎስ ካባኻትኩም ናባና ስለ ዝተመለሰ፥ ናይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን፥ ዘሐጕስ ዜና ኣምፅአልና፤ ብፅቡቕ ከም እትዝክሩና፥ ከምቲ ንሕና ኽንሪኤኩም እንናፍቕ፥ ንስኻትኩምውን ክትሪኡና ኸም እትናፍቑ ነገረና።
ካብ ደቅኺ፥ ከምቲ ኻብ እግዚኣብሄር ኣብ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ ገይሮም፥ ብሓቂ ዝነብሩ ስለ ዝረኸብኩ ብዙሕ ተሓጕሰ ኣለኹ።