1 ስለዙይ ክንዕገስ ስለ ዘይከኣልና፥ ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ መረፅና።
“ደጊም ስም እግዚኣብሄር ኣየልዕልን፤ ብስሙውን ኣይናገርን፥” እንተ በልኩ እኳ፥ ቃሉ ኣብ ልበይ ከም ሓዊ፥ ኣብ ውሽጢ ኣዕፅምተይውን ከም ረመፅ ኮነኒ፤ ክፅመም ተቓለስኩ ግና ኣይኮነለይን።
እግዚኣብሄር ከዓ ብሰንኪ እቲ ኽፍኣት ግብርኹምን ብሰንኪ እቲ ዝገበርኩምዎ ርኽሰትን ክዕገስ ኣይከኣለን። ስለዙይ ሃገርኩም ከምዝ ሎሚ ኾይናቶ ዘላ፥ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ ባዲማ መሰክሕን መራገምን ኮነት።
እቶም ንጳውሎስ ዘፋነውዎ ሰባት፥ ክሳዕ ኣቴና ኣብፅሕዎ፤ “ሲላስን ጢሞቴዎስን ቀልጢፎም ይስዓቡኒ” ዝብል መልእኽቲ ሒዞም ድማ፥ ናብ ቤርያ ተመለሱ።
ጳውሎስ ድማ ኣብ ኣቴና ኽፅበዮም እንተሎ፥ እታ ኸተማ ጣዖታት መሊኣ ምስ ረአያ፥ ብመንፈሱ ተቘጥዐ።
ንቲቶ ሓወይ ስለ ዘይረኸብክዎ ግና፥ ኣብ መንፈሰይ ዕረፍቲ ኣይነበረንን፤ ስለዙይ ካብኣቶም ተሰናቢተ፥ ናብ መቄዶንያ ኸድኩ።
እንተ ኾነ ኣሕዋተይ፥ ንሕና ግና ብልብና ምሳኻትኩም እኳ እንተ ሃለና፥ ብኣካል ንሓፂር ጊዜ ኻባኻትኩም ተፈሊና ስለ ዝነበርና፥ ገፅኩም ክንርኢ ብዙሕ ናፍቖትን ሃረርታን ነይሩና።
ስለዙይ ኣነውን ካብዙይ ንላዕሊ ኽዕገስ ስለ ዘይከኣልኩ፥ ምናልባሽ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይኸውን እሞ እቲ ፃዕርና፥ ከንቱ ኸይኸውን ኢለ፥ ብዛዕባ እምነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ንጢሞቴዎስ ለኣኽክዎ።