8 ከምኡ ንሕናውን ስለ እንናፍቐኩም፥ የመናውን ነፍቅረኩም ስለ ዝኾንና፥ ህይወትናውን እምበር፥ ወንጌል እግዚኣብሄር ጥራሕ ኣይኮንናን ክነካፍለኩም እንምነ ዝነበርና።
ኣብኡ ኸዓ ሓሚሙ ንሞት ዝቐረበ፥ ዝፈትዎ ሓሽከር ዝነበሮ፥ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ነበረ።
ሃዋርያ ክኸውን ካብ ዝተፀውዐን፥ ንወንጌል እግዚኣብሄር ዝተፈለየን፥ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ፥ ካብ ጳውሎስ ዝተፅሓፈት መልእኽቲ።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ድልየት ልበይን፥ ናብ እግዚኣብሄርውን ዘቕርቦ ፀሎትን፥ እስራኤል ምእንቲ ኽድሕኑ እዩ።
ናባኻትኩም ክመፅእ እንተለኹ ኸዓ፥ ብበረኸት ክርስቶስ መሊአ ኸም ዝመፅእ፥ እፈልጥ ኣለኹ።
ኣነ ዅሉ ዘለኒ፥ ህይወተይውን እንተይተረፈ፥ ምእንታኻትኩም ኣሕሊፈ ኽህብ፥ ሕጉስ እየ። ኣብሊፀ ስለ ዘፍቀርኩኹም ዲኹም፥ ኣንኢስኩም ተፍቅሩኒ ዘለኹም?
ሓቢርና መሳርሕቲ ከም ምዃንና፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፥ ንልምነኩም ኣለና።
ኣቱም ደቀይ፥ ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝቕረፅ፥ መሊሰ ንኣኻትኩም፥ ከም ሕማም ሕርሲ እፀዓር ኣለኹ።
ብፍቕሪ ክርስቶስ ኢየሱስ፥ ንዅልኻትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፥ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ።
ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን፥ እንተ ተሰዋእኹ ደስ ይብለኒ፤ ምስ ኵልኻትኩምውን እሕጐስ ኣለኹ።
ንፅቡቕኩም ዝሓልን ዝግደስን፥ ካልእ ከምኡ ዝበለ የብለይንሞ።
እምበኣር ኣቱም ኣነ ዘፍቅረኩምን ዝናፍቐኩምን፥ ሓጐሰይን ኣኽሊለይን ዝኾንኩም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ኣብ ጐይታ ፀኒዕኹም ቁሙ።
ንሕና ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ፍፁም ጌርና ምእንቲ ኽነቕርብ፥ ብጥበብ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፥ ንዅሉ ሰብውን እናመሃርና፥ ንእኡ ንሰብኽ ኣለና።
እቲ ፍቑር መሳርሕትና ኤጳፍራስ እዩ፥ ነዙይ ዝመሃረኩም። ንሱ፥ ክንዳኻትኩም እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ እዩ።
እቲ ሓደ ኻባኻትኩም፥ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝኾነ ኤጳፍራስ፥ ሰላምታ የቕርበልኩም ኣሎ፤ ምሉኣትን ብዅሉ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ተረዲእኹም፥ ፍፁማት ኴንኹም ምእንቲ ኽትቆሙን፥ ተጊሁ ብፀሎት ይጋደል ኣሎ።
ምእንቲ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እሱር ካብ ዝኾንኩ ጳውሎስን፥ ካብ ሓውና ጢሞቴዎስን፥ ናብቲ ፍቑርን መሳርሕትናን ዝኾነ ፊልሞና፥
ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቲ መልሲ ዘቕርቡ፥ ነቒሖም ምእንቲ ነፍስኹም ይተግሁ እዮም እሞ። ስለዙይ፥ ነዙይ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፥ ንኣኻትኩም ኣይጠቕመኩምን እዩ እሞ፥ ተሓጕሶም ከም ዝገብርዎ ግበሩ።
ክርስቶስ ንህይወቱ ቤዛና ስለ ዘሕለፈ፥ ንፍቕሪ በዙይ ኢና እንፈልጣ። ንሕናውን ምእንቲ ኣሕዋትና፥ ህይወትና ቤዛ ኽነሕልፍ ይግብአና እዩ።