7 እንተ ኾነ ኸምታ ነናእሽተይ ደቃ እትከናኸን እኖ፥ ኣብ ማእኸልኩም ርህሩሃት ነበርና።
ንሱ ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ የውፍረን፤ ንመሓሲኡ ኣኪቡ ኣብ ሕቝፉ ይስከመን፤ ነተን ዘጥብዋ ድማ ብህድኣት ይመርሐን።
ነገስታት ከም መዕበይቲ ኣቦታትኪ፥ እተጌታቶም ድማ መጕዚታትኪ ክኾኑ እዮም፤ ብግምባሮም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ክሰግዱልኪ፥ በነንታ እግርኺውን ክልሕሱ እዮም። ንስኺ ኸዓ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ፥ ክትፈልጢ ኢኺ፤ እቶም ንኣይ ተኣማሚኖም ዝፅበዩኒ ድማ ኣይሓፍሩን።”
ከምቲ እኖ ንውሉዳ እተፀናንዖ፥ ከምኡ ኸፀናንዐኩም እየ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ፥ ክትፀናንዑ ኢኹም።
‘መጕዚት፥ ንዝጠቡ ህፃን ከም እትፀውር፥ ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልካሎም ምድሪ ኽሳዕ ዘእትዎም ኣብ ሕቝፍኻ ፁሮም’ እትብለንስ፥ ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ኣነዶ ጠኒሰዮ? ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ?
ነርብዓ ዓመት ዝኣክል ከዓ፥ ኣብ በረኻ ፆሮም።
ኣነ ኸዓ፥ ብድኻምን ብፍርሓትን ብብዙሕ ምንቅጥቃጥን እየ፥ ምሳኻትኩም ዝነበርኩ።
ነቶም ድኹማት ምእንቲ ኸድሕን ድማ፥ ምስቶም ድኹማት፥ ድኹም ኮንኩ፤ ብዅሉ መንገዲ ንገሊኣቶም ምእንቲ ኸድሕን፥ ምስ ዅሉ ብዅሉ ነገር ከምኣቶም ኮንኩ።
ኣነ ጳውሎስ፥ ኣብ ቅድሜኹም ትሑት፥ ካባኻትኩም እንትርሕቕ ግና፥ ደፋር ዝተብሃልኩ፥ ብናይ ክርስቶስ ሕያዋይነትን ለውሃትን፥ እልምነኩም ኣለኹ።
ብርግፅ ክርስቶስ ብድኻም እዩ ተሰቒሉ፤ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ግና፥ ህያው ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ንሕናውን ተኻፈልቲ ድኻሙ ኢና፤ ኣብ ማእኸልኩም ክንሰርሕ እንተለና ግና፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር፥ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ኢና።
ኣቱም ደቀይ፥ ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝቕረፅ፥ መሊሰ ንኣኻትኩም፥ ከም ሕማም ሕርሲ እፀዓር ኣለኹ።
ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዝፀውዐኩም እግዚኣብሄር፥ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ፥ ከመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፀናንዐኩምን ነተባብዐኩምን፥ ከም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም።
እታ ኻብ ላዕሊ ዝኾነት ጥበብ ግና፥ ቅድሚ ዅሉ ንፅህቲ እያ። ደሓር ከዓ ሰላማዊት፥ ሕያወይቲ፥ ሕራይ በሃሊት፥ ገባሪት ምሕረት፥ ፅቡቕ ፍረ ዝመልአት፥ ጥርጥርን ግብዝናን ዘይብላ እያ።