2 ከም እትፈልጥዎ፥ ቅድም ኣብ ፊልጵስዩስ መከራ ተቐበልናን ተዋረድናን። ይኹን እምበር እንተ ተቓወሙናኳ፥ ብረድኤት እግዚኣብሄር ብትብዓት፥ ወንጌል ሰቢኽናልኩም ኢና።
ጳውሎስን በርናባስን ግና፥ ብዛዕባ ጐይታ ብትብዓት እናነገሩ ንነዊሕ እዋን ኣብኡ ተቐመጡ። ጐይታ ኸዓ በቲ በእዳዎም ክገብርዎ ዝህቦም ዝነበረ ምልክትን ተኣምራትን፥ ነቲ ናይ ፀጋኡ ቓል የፅንዖ ነበረ።
ኣህዛብን ኣይሁድን ከዓ፥ ምስ መራሕቶም ኮይኖም፥ ከሳቕይዎምን ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎምን ተልዓሉ።
ካብኣ ድማ፥ ናብታ ክፍለ ሃገር መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን፥ ግዝኣት ሮምን ዝኾነት ፊልጵስዩስ ኣተና፤ ኣብኣ ኸዓ ብዙሕ መዓልቲ ቐነና።
ጐይቶታ ግና፥ ዝረኽብዎ ዝነበሩ እቶት ከም ዘቋረፀ ምስ ረአዩ፥ ንጳውሎስን ንሲላስን ሓዝዎም፤ ጐቲቶም ናብ ዕዳጋ ወሲዶም ድማ፥ ናብቶም ሹመኛታት ኣቕረብዎም።
ጳውሎስ ግና፥ “ንሕና ሮማውያን እንተለና፥ ብዘይ ፍርዲ ብገሃድ ገሪፎም፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮምናስ፥ ሕዚዶ ብሕቡእ ክሰዱና? ባዕልቶም ደኣ መፂኦም የውፅኡና እምበር፥ እዙይ ከቶ ኣይኸውንን እዩ” በሎም።
ጳውሎስን ሲላስን ብኣንፊጶልን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም፥ ናብ ተሰሎንቄ ኣተዉ። ኣብኡውን ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ነበረ።
ስለዙይ ኣብ ቤተ ፀሎት፥ ምስ ኣይሁድን ምስቶም ምስ ኣይሁድ ዘምልኹ ግሪካውያንን፥ ኵሉ መዓልቲ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦምን፥ ይከራኸሮም ነበረ።
ጳውሎስ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር እናተኻትዐን እናረድአን፥ ንሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ተናገረ።
ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረአዩ፥ ዘይተምሃሩን ተራ ሰባት ምዃኖምውን ምስ ፈለጡ ተገረሙ፤ ምስ ኢየሱስ ከም ዝነበሩ ድማ ኣለለይዎም።
ንሕና ግና ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ምዝራብ ኣይንሓድግን” ኢሎም መለሱሎም።
እናፀለዩ እንተለዉ፥ እቲ ተኣኪቦሙሉ ዝነበሩ ስፍራ ተናወፀ፤ ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ፤ ቃል እግዚኣብሄርውን ብትብዓት ተዛረቡ።
ንሳቶም ግና፥ ምእንቲ ስም ኢየሱስ፥ ውርደት ንምቕባል፥ ብቑዓት ኮይኖም ስለ ዝተቘፀሩ፥ ካብቲ መጋባእያ እናተሓጐሱ ወፁ።
ሃዋርያ ክኸውን ካብ ዝተፀውዐን፥ ንወንጌል እግዚኣብሄር ዝተፈለየን፥ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ፥ ካብ ጳውሎስ ዝተፅሓፈት መልእኽቲ።
ከምዙይ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና ኢና፥ ብትብዓት እንዛረብ ዘለና።
ምእንታኻትኩምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉን፥ ምእንቲ እቶም ገፀይ ብስጋ ሪኦም ዘይፈልጡን፥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ገድሊ ኸም ዘለኒ፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።
እቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌል፥ ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን፥ ብምሉእ ምርዳእን እምበር፥ ብቓል ጥራሕ ኣይመፀኩምን። ንሕናውን ምእንታኻትኩም ክንብል፥ ኣብ ማእኸልኩም ከመይ ኢልና ኸም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም።
በዝ ምኽንያትዙይ ከዓ እየ፥ መከራ ዝቕበል ዘለኹ፤ ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ፥ ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብዛዕባ እታ ናይ ኵልና ዝኾነት ድሕነት፥ ክፅሕፈልኩም ሃረርታ ነይሩኒ። ሕዚ ግና፥ በታ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ንቕዱሳን ዝተውሃበት እምነት፥ ንኽትጋደሉ ምእንቲ ኽመኽረኩም፥ ክፅሕፍ ግድን ኮይኑኒ ኣሎ።