16 ኣህዛብ ምእንቲ ኽድሕኑ፥ ንሕና ወንጌል ከይንሰብከሎም ብምኽልካሎም፥ በዙይ ከዓ ኸም ቀደሞም፥ መስፈሪ ሓጢኣቶም ይመልኡ ኣለዉ። ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ድሮ ወሪዱ ኣሎ።
ፅዋዕ ዓመፅ ኣሞራውያን ገና ኣይመልአን እዩ እሞ፥ ንዘርእኻ ኣብ ራብዓይ ትውልዲ ናብዙይ ክመልሶም እየ” በሎ።
“ኣምላኽ ኣነ እየ፤ ካልእ የለን እሞ፥ ኣቱም ኣብ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ዘለኹም ህዝቢ፥ ናባይ ተመለሱ እሞ ደሓኑ።
“እዞም መንግስታት እዚኣቶም መወዳእታኦም ምስ በፅሐ፥ መስፈሪ በደሎም መሊኡ ዝቕፅዑሉ ጊዜ ምስ መፀ፥ ሓደ ጨካንን ክኢላን ተንኰለኛን ንጉስ ክለዓል እዩ።
“እንሆ፥ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመፅእ ኣላ፤ ኵሎም ዕቡያትን ገበርቲ ኽፉእን ሓሰር ክኾኑ እዮም፤ ሱር ወይ ጨንፈር እንተይሓደገት፥ ህሙኽ ኽተብሎም እያ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
“እንሆ፥ እታ ዓባይን እተፍርሕን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥ ንነቢይ ኤልያስ ክልእኸልኩም እየ።
ድሕሪዙይ ይኸይድ እሞ፥ ካብኡ ዝገደዱ ሸውዓተ ኻልኦት ርኹሳት መናፍስቲ ሒዙ ይመፅእ፤ ኣትዮም ከዓ ኣብኡ ይሓድሩ። ነቲ ሰብ እቱይ ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ዝገደደ ይኸውን፤ ነዝ ኽፉእ ትውልዲ እዙይ ድማ፥ ከምኡ ክኾኖ እዩ።”
ንስኻትኩምውን መስፈሪ ኣቦታትኩም ምልኡ።
ንዅሎም ኣህዛብ ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ እዝ ወንጌል መንግስቲ እዙይ፥ ኣብ ምሉእ ዓለም ክስበኽ እዩ፤ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ።”
ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፤ ኣስተውዕሉ፤ ኣይትደንግፁ፤ እዝ ዅሉ ብርግፅ ክኸውን እዩ፤ እንተ ኾነ መወዳእታኡ ሽዑ ኣይኮነን።
ዓውዱ ዘፅርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ፤ ስርናዩ ኣብ ቆፎኡ ኽእክብ፥ ነቲ ሓሰር ግና፥ ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።”
እቲ ዝኣመነን ዝተጠመቐን፥ ክድሕን እዩ፤ እቲ ዘይኣመነ ግና፥ ክዅነን እዩ።
ኣይሁድ ግና፥ ነቶም ዝተኣከቡ ህዝቢ ምስ ረአዩ፥ ቅንኣት ሓደሮም፤ ነቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ተቓወምዎ፤ ፀረፍዎውን።
ኣይሁድ ግና፥ ነተን እግዚኣብሄር ዝፈርሓ ኽቡራት ኣንስትን፥ ነቶም ዓበይቲ ዓድን ኣለዓዓልዎም፤ ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስንውን፥ ስደት ኣለዓዓሉ፤ ካብ ሃገሮምውን ሰጐጕዎም።
ኣይሁድ ግና፥ ካብ ኣንፆኪያን ካብ ኢቆንዮንን መፂኦም፥ ነቶም ህዝቢ ሓበልዎም። ንጳውሎስ ከዓ ብእምኒ ቐጥቀጥዎ፤ ዝሞተ መሲልዎም ድማ፥ ጐቲቶም ካብታ ኸተማ ኣውፅእዎ።
እቶም ምእማን ዝኣበዩ ኣይሁድ ግና፥ ነቶም ኣህዛብ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣመንቲ ብፅልኢ ኸም ዝለዓዓሉ ገበርዎም።
ኣህዛብን ኣይሁድን ከዓ፥ ምስ መራሕቶም ኮይኖም፥ ከሳቕይዎምን ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎምን ተልዓሉ።
እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነብሩ ኣይሁድ ከዓ፥ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ቓል እግዚኣብሄር ከም ዝመሃረ ምስ ፈለጡ፥ ናብኡ መፂኦም ነቲ ህዝቢ ሃወኹዎ።
ሓድሓደ ነቲ መንገዲ ጐይታ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናካፍኡ ልቦም ምስ ኣትረሩን ምእማን ምስ ኣበዩን ግና፥ ካብኣቶም ረሓቐ፤ ነቶም ደቀ መዛሙርት ፈልዩ ድማ፥ በብመዓልቱ ኣብቲ ጢራኖስ ዝምህረሉ ዝነበረ ኣዳራሽ ይምህሮም ነበረ።
ንስኻ፥ ንዅሎም ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዘለዉ ኣይሁድ፥ ካብ ሕጊ ሙሴ ኽርሕቑ፥ ደቆም ከይገርዙ፥ ብስርዓቶም ከይነብሩ ኢልካ ኸም እትምህር፥ ወረ ሰሚዖምልካ ኣለዉ።
ምድሪ ምስ ወግሐ ኸዓ ኣይሁድ፥ “ንጳውሎስ ክሳዕ እንቐትሎ ኣይንብላዕ፥ ኣይንስተ” ኢሎም ተመሓሓሉ።
ኣይሁድውን “እወ፥ እዝ ነገር እዙይ ልክዕ እዩ” በሉ።
ሊቃነ ካህናትን መኳንንቲ ኣይሁድን ድማ፥ ብዛዕባ ጳውሎስ ነገርዎ።
ጳውሎስ ምስ መፀ ኸዓ፥ እቶም ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ ኣይሁድ ከቢቦምዎ ደው በሉ። መርትዒ ኽረኽቡሉ ዘይኽእሉ፥ ብዙሕን ከቢድን ክሲ ድማ ኸሰስዎ።
ብእኡ ኽንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተውሃበን እዩሞ፥ ድሕነት ብኻልእ ከቶ የለን።”
ብዙሕ መዓልቲ ምስ ሓለፈ ድማ፥ ኣይሁድ ንሳውል ክቐትልዎ ሓቢሮም ተማኸሩ።
ኣሕዋተይ፥ ኣነ “ግርዘት የድሊ እዩ” እናበልኩ፥ ዝሰብኽ እንተ ኾይነ ደኣ፥ ንምንታይ የሳጕጉኒ ኣለዉ? እቲ ናይ መስቀል ዕንቅፋት ከዓ ምተወገደ ነይሩ።
ስለዙይ በቲ ምእንታኻትኩም ዝበፅሐኒ መከራ፥ ክብርኹም ስለ ዝኾነ፥ ብመከራይ ተስፋ ኸይትቘርፁ እልምነኩም ኣለኹ።
ካብ ኵሎም ቅዱሳን ንዝነኣስኩ ንኣይ፥ ነቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ፥ ንኣህዛብ ክሰብኽ፥ እዝ ፀጋ እዙይ ተውሃበኒ።
ከምኡውን ነቶም ዝጠፍኡ ዘስሕተሉ፥ ኵሉ ተንኰልን ክፍኣትን ኣለዎ። እቶም ዝጠፍኡ ኸዓ፥ ነቲ ኸድሕኖም ዝኽእል ሓቂ፥ ፈትዮም ስለ ዘይተቐበሉ እዩ።
ንሱ፥ ኵሉ ሰብ ክድሕንን፥ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽመፅእን፥ ይፈቱ እዩ እሞ።
እሾዅን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፥ ንመርገም ዝቐረበት፥ ጥቕሚ ዘይብላ ምድሪ እያ፤ መወዳእታኣ ኸዓ፥ ብሓዊ ምንዳድ እዩ።
እቲ ገፋዒ ይግፋዕ፤ እቲ ርኹስ ይርከስ፤ እቲ ፃድቕ ይፅደቕ፤ እቲ ቕዱስ ይቀደስ” በለኒ።