Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 9:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 (እዝ ሎሚ ነቢይ ዝበሃል ዘሎ፥ ቀደም ረኣዪ ይበሃል ነበረ እሞ፥ ቀደም ኣብ እስራኤል ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ክጥይቕ እንትኸይድ “ንዑ ናብ ረኣዪ ንኺድ” ይብል ነበረ።)

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 9:9
16 Referencias Cruzadas  

እቶም ህፃናት ከዓ ኣብ ማህፀና ይደፋፍኡ ነበሩ። ሽዑ ንሳ “ከምዙይ እንተ ደኣ ኾይኑስ እንታየይ እዩ?” በለት። ንእግዚኣብሄር ክትጥይቕ ድማ ኸደት።


ዳዊት ንግሆ ቕድሚ ምትስኡ፥ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነቢይ ጋድ፥ ናብቲ ናይ ዳዊት ራእይ ነጋሪ መፂኡ


እግዚኣብሄር ግና ንእስራኤልን ንይሁዳን ብዅሎም ነቢያትን ብዅሎም ረኣይትን ገይሩ መስከረ “ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ከምቲ ነቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም፥ ብባሮተይ ነቢያት ገይረ ድማ ዝሰደድኩልኩም ኵሉ ትእዛዛተይን ሕግጋተይን ሓልዉ” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም ነበረ።


እግዚኣብሄር ድማ ናይ ዳዊት ረኣዪ ንዝኾነ ንጋድ


ኵሉ እቲ ረኣዪ ሳሙኤልን ሳኦል ወዲ ቂስን ኣበኔር ወዲ ኔርን ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን ኵሉ ንእግዚኣብሄር ዝወፈይዎ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሰሎሚትን ኣሕዋቱን ነበረ።


እቲ ንጉስ ዳዊት ዝገበሮ ኵሉ ነገራት ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፥ ኣብ ታሪኽ እቲ ረኣዪ ሳሙኤልን ነቢይ ናታንን፥ ኣብ ታሪኽ እቲ ረኣዪ ጋድን ተፅሒፉ ኣሎ።


እዚኣቶም ኵሎም ኣብ ኣፍ ደገታት ሓለውቲ ክኾኑ ዝተሓርዩ ኽልተ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን ነበሩ። እዚኣቶም ኣብ ኣዓዶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተፅሓፉ ነበሩ። ንኣኣቶም ኣብ ኣገልግሎቶም ዝመደብዎም ዳዊትን እቲ ረኣዪ ሳሙኤልን ነበሩ።


ኣሳ ግና በዝ ነገር እዙይ ኰርዩ ነቲ ረኣዪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። በቲ ጊዜ እቱይ ካብቶም ህዝቢ ንብዙሓት ሰባት ክገፍዖም ጀመረ።


በታ ጊዜ እቲኣ ኣናኒ እቲ ረኣዪ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ መፂኡ፦ “ክንዲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካስ፥ ኣብ ንጉስ ሶርያ ስለ ዝተኣማመንካ፥ ሰራዊት ንጉስ እስራኤል ካብ ኢድካ ኣምሊጡ ኣሎ።


እግዚኣብሄር፥ መንፈስ ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑልኩም እዩ እሞ፥ ነዒንትኹም ደፈነ፤ ንነቢያትን ንመራሕትኹምን ንሰብ ራእይን ከዓ ኣዐመቶም።


ነቶም ራእይ ዝሪኡ “ራእይ ኣይትርኣዩ” ንነቢያትውን “ቅኑዕ ትንቢት ኣይትነበዩልና፤ ዘሐጕስ ደኣ ንገሩና፤ ጥበራውን ተነበዩልና።


ኣሜስያስ ድማ ንኣሞፅ “ኣታ በዓል ራእይ፥ ኪድ፤ ናብ ምድሪ ይሁዳ ህደም፤ ኣብኣውን እንጀራኻ ብላዕ፤ ኣብኣ ኸዓ ተነበ።


ብዘሎ እቲ ሰብነት ዓይኒ እንተ ዝኸውን ደኣ፥ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ? እቲ ሰብነት ኵለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዝኸውንከ፥ ምሽታት ኣበይ ምተረኽበ?


ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ድሕሪ ሞት ኢያሱ ደቂ እስራኤል “ምስ ከነዓናውያን ንምውጋእ ካባና ኣየናይ ነገድ ቅድም ይደይብ?” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ጠየቕዎ።


ንሳቶም ድማ “እዛ እንኸዳ ዘለና መንገዲ እትቐንዐና እንተ ኾይና ኽንፈልጥስ፥ በይዛኻ ንእግዚኣብሄር ጠይቐልና” በልዎ።


ሳኦል ድማ ነቲ ኣገልጋሊኡ “ፅቡቕ ተዛሪብካ፤ ንዓናይ ንኺድ” በሎሞ፥ ናብታ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዘለዋ ኸተማ ኸዱ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos