Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 9:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ሳኦል ድማ ነቲ ኣገልጋሊ “እሺ ምኻድስ ንኺድ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንታይ ክንወስደሉ ኢና? ኣብ ለቖታና ዝነበረ እንጀራ ተወዲኡ እዩ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እነቕርበሉ ውህብቶ የብልናን፤ እንታይ ድኣ ኽንወስደሉ ኢና?” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 9:7
10 Referencias Cruzadas  

እቲ ንጉስ ከዓ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ “ምሳይ ናብ ቤት እቶ እሞ እንጀራ ብላዕ፤ ውህብቶውን ክህበካ እየ” በሎ።


ዓሰርተ እንጀራን ሕምባሻን ንፅባ መዓርን ሒዝኪ ናብኡ ኺዲ። ንሱ እዝ ቘልዓ እንታይ ከም ዝኸውን ክገልፀልኪ እዩ” በላ።


በዓልሻሊሻ ኻብ ዝበሃል ዓዲ ድማ ሓደ ሰብኣይ መፀ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ናይ በዅራት እንጀራ፥ ዕስራ ጐጎ ስገምን ጥቡስ ሸዊት ስርናይን ኣብ ለቘታ ገይሩ ኣምፅአሉ። ንሱ ድማ “ክበልዕዎ ነዞም ህዝቢ ሃቦም” በሎ።


ሽዑ ንእማን ምስ ኵሎም ሓሻኽሩ ተመሊሱ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ መፀ፤ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ “እንሆ፥ ሕዝስ እንትርፊ ኣምላኽ እስራኤል ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ፈለጥኩ፤ ሕዚ ኸዓ፥ ካብ ሓሽከርካ ገፀ በረኸት በይዛኻ ተቐበል” በሎ።


እቲ ንጉስ ሶርያ ድማ “እምበኣርከስ ኪድ፤ ኣነ ኸዓ ንንጉስ እስራኤል መልእኽቲ ኽሰደሉ እየ” በሎ። ሽዑ ንሱ ሰላሳ ሽሕ ቅርሺ ብሩርን ሽዱሽተ ሽሕ ቅርሺ ወርቅን ዓሰርተ ቕያር ክዳውንትን ሒዙ ኸደ።


ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣዛሄል “ገፀ በረኸት ሒዝካ ንኤልሳዕ ክትቅበሎ ኺድ እሞ ‘ካብዝ ሕማም እዙይ ክሓዊ ድየ?’ ኢልካ ንእግዚኣብሄር ጠይቐለይ ኢሉካ በለለይ” በሎ።


ኣዛሄል ድማ ዘዝበለፀ ሃብቲ ደማስቆ ኣርብዓ ፅዕነት ግመል ዝኣክል ሒዙ ናብ ኤልሳዕ ከደ። ምስ ተራኸቡ ድማ “ወድኻ ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ‘ካብዝ ሕማም እዙይዶ ኽሓዊ እየ?’ ኢሉ ናባኻ ልኢኹኒ” በሎ።


“ንስኻትክን ነተን ዘይሞታ ነፍሳት ንሞት እናወፈኽን፥ ነተን ብህይወት ክነብራ ዘይግብአን ነፍሳት ከዓ ህይወተን እናድሓንክን፥ ነቲ ሓሰት ዝሰምዕ ህዝበይ እናሓሰኽን፥ ምእንቲ ዕዅቲ ስገምን ቍራስ እንጀራን ኣብ ህዝበይ ተርክሳኒ ኣለኽን።”


ናባኻ ተመሊሰ መስዋእተይ ኣብ ቅድሜኻ ኽሳዕ ዘቕርበልካ፥ በይዛኻ፥ ካብዙይ ኣይትኺድ” በሎ። ንሱ ድማ “ክሳዕ እትምለስ፥ ክፀንሐካ እየ” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos