6 እቲ ኣገልጋሊ ግና “እንሆ፥ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣሎ፥ ንሱ ኽቡር ሰብኣይ እዩ፤ ዝበሎ ዅሉ ይፍፀም እዩ እሞ፥ ሕዚ ናብኡ ንኺድ፤ ንሱ ምናልባሽ እንኸደሉ መንገዲ ይነግረና ይኸውን” በሎ።
“ሎሚ ኸዓ ናብዛ ዓይኒ ማይ መፂአ፥ ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፥ ነዛ ኣነ ዝኸዳ ዘለኹ መንገዲ ኣቕንዐለይ።
ንጉስ ድማ ንኻህን ሳዶቅ፥ “ንስኻ ረኣዪዶ ኣይኮንካን? ብሰላም ናብ ከተማ ተመለስ፤ ወድኻ ኣሒማዓፅን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ክልቲኦም ደቅኹም ድማ ምሳኻትኩም ይኺዱ።
ኢዮርብዓም ክዓጥን ኣብ መሰውኢ ደው ኢሉ እንተሎ ድማ፥ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ካብ ይሁዳ ናብ ቤቴል መፀ።
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኤልሳዕ፥ ንጉስ እስራኤል ክዳውንቱ ኸም ዝቐደደ ምስ ሰምዐ፥ ናብቲ ንጉስ ልኢኹ “ስለ ምንታይ ኢኻ ኽዳውንትኻ ዝቐደድካ? እቲ ሰብኣይ ኣብ እስራኤል ነቢይ ከም ዘሎ ኽፈልጥስ ናባይ ይምፃእ” በሎ።
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ “ኣበይ ወዲቑ?” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ነታ ቦታ ኣርኣዮ። ሽዑ ኤልሳዕ ዕንፀይቲ ቘሪፁ ናብኣ ደርበዮ፤ እቲ ምሳር ከዓ ፀለል በለ።
ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ መን እዩ? በቲ ንሱ ዝመረፆ መንገዲ ይመርሖ።
ግና ንቓል ባርያይ ኣፅንዖ፥ ንምኽሪ ልኡኻተይ እፍፅሞ እየ። ንኢየሩሳሌም ‘መንበሪ ሰብ ክትኮኒ ኢኺ’ ኢለ እነግራ፤ ከተማታት ይሁዳ ‘ክህነፃ እየን’ ንዑናታተንውን ‘ክሕድሶ እየ’ ኢለ ኽነግረን እየ።
ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኾነ ሙሴ፥ ቅድሚ ሞቱ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ባረኾም፦
ኣባኻትኩም ኣብ ማእኸል እትኣምኑ፥ ብቕድስናን ብፅድቅን ብዘይ ነቐፋን ከም ዝነበርና፥ ንስኻትኩምን እግዚኣብሄርን ምስክር ኢኹም።
ስለ እቲ ስራሖም፥ ብፍቕሪ ኣብሊፅኩም ኣኽብርዎም፤ ንስንሳትኩምውን ብሰላም ንበሩ።
ንስኻ ግና፥ ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ካብዙይ ኵሉ ህደም። ደድሕሪ ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ትዕግስትን፥ መንፈሳዊነትን፥ ሰዓብ።
ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ናብ ኤሊ መፂኡ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣብ ግብፂ ኣብ ግዝኣት ፈርዖን እንተለዉ፥ ንነገድ ኣቦኻ ብርግፅ ተገሊፀሎም ነይረ።
እቲ ሓሽከር ከዓ ንሳኦል “እንሆ ሰለስተ ግራም ብሩር ኣብ ኢደይ ኣለኒ፤ እምበኣር መንገድና ምእንቲ ኽሕብረናስ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ክህቦ እየ” ኢሉ መለሰሉ።