5 ናብ ምድሪ ፁፍ ምስ መፁ፤ ሳኦል ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣገልጋሊ “ኣቦይ ናይ ኣእዱግ ሓዲጉ ብኣና ይጭነቕ ከይህሉስ፥ ንዓናይ ንኺድ ንመለስ” በሎ።
ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ። ህይወት ካብ መብልዕ፥ ሰብነት ከዓ ኻብ ክዳንዶ ኣይበልፅን እዩ?
ብዛዕባ ኽዳንከ ስለ ምንታይ ትጭነቑ? ዕምበባታት በረኻ ኣይፈትሉን፥ ኣይደኽሙን፥ ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ተመልከቱ።
እምበኣርከስ፥ ፅባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፥ ብዛዕባ ፅባሕ ኣይትጨነቑ፤ ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ እዩ።”
ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን ገዛእትን ሰብ ስልጣንን እንተ ወሰዱኹም፥ ከመይ ወይ እንታይ ከም እትምልሱ ወይ እንታይ ከም እትናገሩ ኣይትጨነቑ።
ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “ካብ ምግቢ፥ ህይወት ትዓቢ፤ ካብ ክዳንውን፥ ሰብነት እዩ ዝዓቢ፤ ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎ፥ ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ።
ኣብ ኣርማቴም መሴፋ፥ ኣብ እምባታት ኤፍሬም፥ ሕልቃና ዝስሙ ኤፍሬማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ወዲ የኢያሬምኤል፥ ወዲ ኢሊዮ፥ ወዲ ቶሑ፥ ወዲ ናሲብ ነበረ።
ሎሚ ኻባይ ምስ ከድካ፥ ኣብ ጥቓ መቓብር ራሄል፥ ኣብ ወሰን ብንያም ኣብ ፄልፃሕ ዝበሃል ቦታ ኽልተ ሰባት ክትረክብ ኢኻ፤ ንሳቶም ከዓ ‘እተን ክትደልየን ኬድካ ዝነበርካ ኣእዱግ ተረኺበን፤ እንሆ ድማ ኣቦኻ ብዛዕባ እተን ኣእዱግ ምሕሳብ ሓዲጉ፥ ብዛዕባ ወደይ እንታይ ክገብር እየ? እናበለ ብኣኻትኩም ይጭነቕ ኣሎ’ ኽብሉኻ እዮም።