Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 9:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ንቂስ ኣቦ ሳኦል ኣእዱግ ጠፍኣኦ። ቂስ ድማ ንሳኦል ወዱ “ካብዞም ኣገልገልቲ ሓደ ምሳኻ ውሰድ እሞ፥ ኪድ ነተን ኣእዱግ ድለየን” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 9:3
7 Referencias Cruzadas  

ንሱ ኣብ ልዕሊ ሰላሳ ኣእዱግ ዝቕመጡ፥ ሰላሳ ደቂ ነበርዎ፤ ኣብ ምድሪ ገለዓድ ዘለዋ ሰላሳ ኸተማታት ከዓ ይገዝኡ ነበሩ። ንሳተን ክሳዕ ሎሚ ዓድታት ኢያኢር ይበሃላ ኣለዋ።


ኣቱም ኣብ ልዕሊ ፀዓዱ ኣእዱግ እትቕመጡ፥ ኣቱም ኣብ ወለሽ ምንፃፍ እትቕመጡ፥ ኣቱም ሓለፍቲ መንገዲውን ብዛዕባኡ ተዛረቡ።


ሓወቦ ሳኦል ከዓ ንእኡን ንኣገልጋሊኡን “ናበይ ኬድኩም ኔርኩም?” በሎም። ንሱ ድማ “ኣእዱግ ክንደሊ፥ ምስ ሰኣንናየን ከዓ ናብ ሳሙኤል ከድና” በሎ።


ሎሚ ኻባይ ምስ ከድካ፥ ኣብ ጥቓ መቓብር ራሄል፥ ኣብ ወሰን ብንያም ኣብ ፄልፃሕ ዝበሃል ቦታ ኽልተ ሰባት ክትረክብ ኢኻ፤ ንሳቶም ከዓ ‘እተን ክትደልየን ኬድካ ዝነበርካ ኣእዱግ ተረኺበን፤ እንሆ ድማ ኣቦኻ ብዛዕባ እተን ኣእዱግ ምሕሳብ ሓዲጉ፥ ብዛዕባ ወደይ እንታይ ክገብር እየ? እናበለ ብኣኻትኩም ይጭነቕ ኣሎ’ ኽብሉኻ እዮም።


ንሱ ኸዓ ሳኦል ዝበሃል መልክዐኛ መንእሰይ ወዲ ነበሮ፤ ካብ ደቂ እስራኤል ካብኡ ዝፅብቕ ሰብ ኣይነበረን፤ ምንዋሑ ኻብ ማእገሩ ንላዕሊ ኻብ ኵሉ ህዝቢ ፀብለል ዝበለ ነበረ።


እተን ካብ ዝጠፍኣ ሰለስተ መዓልቲ ዝገበራ ኣእዱግ ከዓ ተረኺበን እየን እሞ፥ ብኣኣተን ኣይትሕሰብ። ኵሉ እቲ እስራኤል ዝምነዮኸ፥ ንመን ድዩ? ንኣኻን ንቤት ኣቦኻንዶ ኣይኮነን?” በሎ።


ሽዑ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬምን ኣብ ምድሪ ሻሊሻን ዘይሮም ደለይወን፤ ግና ኣይረኸብወንን። ብምድሪ ሻዓሊም ሓሊፎም ድማ ደለይወን፤ ኣብኣውን ኣይነበራን፤ ኣብ ምድሪ ብንያማውያንውን ዘይሮም ደለይወን፤ ግና ኣይረኸብወንን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos