2 ንሱ ኸዓ ሳኦል ዝበሃል መልክዐኛ መንእሰይ ወዲ ነበሮ፤ ካብ ደቂ እስራኤል ካብኡ ዝፅብቕ ሰብ ኣይነበረን፤ ምንዋሑ ኻብ ማእገሩ ንላዕሊ ኻብ ኵሉ ህዝቢ ፀብለል ዝበለ ነበረ።
እቶም ደቂ እግዚኣብሄር ድማ ነተን ኣጓላት ደቂ ሰብ፥ መልክዐኛታት ምዃነን ምስ ረአዩ፥ ካብኣተን ዘዝመረፅወን ኣንስቲ ወሰዱ።
ኔር ንቂስ ወለደ፤ ቂስ ንሳኦል ወለደ፤ ሳኦል ድማ ንዮናታንን ንሜልኪሳን ንኣሚናዳብን ንኣስባዓልን ወለደ፤
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይመካሕ፤ ሓያልውን ብሓይሉ ኣይመካሕ፤ ሃብታምውን ብሃብቱ ኣይመካሕ።
ኣብኣ ድማ እቶም ገዘፍቲ ዝኾኑ ካብ ወገን ኔፊሊም ዝኾኑ ኔፊሊም ደቂ ዔናቅ ረአና፤ ንሕና ኸም ኣንበጣ ኣናእሽተይ ኾንና፤ ኣብ ኣዒንቶም ከዓ ኸምኡ ኾንና።”
ንነገድ ብንያም ከዓ በብዓሌቶም ኣቕረቦም፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንዓሌት ማትሪ ሓረየ። ካብ ዓሌት ማትሪ ኸዓ ንሳኦል ወዲ ቂስ ሓረየ። ንሳኦል እንተ ደለይዎ ግና ኣይረኸብዎን።
እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል “ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፥ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቁመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄር ከም ኣረኣእያ ሰብ ኣይርእን እዩ። ሰብ፥ ገፅ ይርኢ፤ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዝርኢ” በሎ።
ጐልያድ ዝስሙ በዓል ጌት፥ ሽዱሽተ እመትን ስድርን ዝቑመቱ፥ ዋና ጅግና ኻብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ወፀ።
ንቂስ ኣቦ ሳኦል ኣእዱግ ጠፍኣኦ። ቂስ ድማ ንሳኦል ወዱ “ካብዞም ኣገልገልቲ ሓደ ምሳኻ ውሰድ እሞ፥ ኪድ ነተን ኣእዱግ ድለየን” በሎ።