Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 9:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 “ስቓይ ህዝበይ ሪአ፤ ገዓሮም ከዓ ናባይ በፂሑ እዩ እሞ፥ ፅባሕ ከምዛ እዋን እዚኣ ሓደ ሰብኣይ ካብ ሃገር ብንያም ናባኻ ኽሰድድ እየ፤ ንእኡ ኣብ ህዝበይ እስራኤል ሓለቓ ክኸውን ቅብኣዮ፤ ንሱ ንህዝበይ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕኖም እዩ።”

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 9:16
17 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄርውን ብዛዕባ ዳዊት ‘ንህዝበይ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ፀላእቶምን ብኢድ ዳዊት ባርያይ ከድሕኖም እየ’ ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ እሞ ሕዚ ግበርዎ” ኢሉ ተዛረቦም።


“ተመለስ እሞ ንሕዝቅያስ፥ ነቲ ሓለቓ ህዝበይ፥ ከምዙይ በሎ፦ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ፀሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ንብዓትካውን ሪአ ኣለኹ፤ እንሆ ኸዓ ኸሕውየካ እየ፤ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክትድይብ ኢኻ።


ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ስምዐኒ፤ ኣውያተይውን ኣባኻ ይብፃሕ።


ንሳቶም ናብኡ ምስ ኣእወዩ ግና ሰምዖም፤ መከራኦም ድማ ተመልከተ።


ንድኻመይን መከራይን ረአ፤ ንዅሉ ሓጢኣተይውን ይቕረ በለለይ።


ልቢ ሰብ መንገዱ የዳሉ፤ ነካይዳኡ ዘቃንዐሉ ግና እግዚኣብሄር እዩ።


ኣናምኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ናብቲ ገበላ ቤት ማእሰርቲ መፂኡ “ክትቢዘዋ መሰል ርስቲ ዘለካ ንስኻ ኢኻሞ፥ ነታ ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ግራተይ ዓድጋ” በለኒ። እዙይውን ቃል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጥኩ።


ሽዑ ሳሙኤል ብልቃጥ ዘይቲ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ሳኦል ኣፍሰሶ እሞ ሰዓሞ፥ ከምዙይ ከዓ በሎ፦ “ኣብ ልዕሊ ርስቱ ሓለቓ ኽትከውን እግዚኣብሄር ቀቢኡካ ኣሎ፤ ንህዝቢ እግዚኣብሄርውን ክትገዝእ ኢኻ፤ ኣብ ዙርያኦም ካብ ዘለዉ ካብ ኢድ ፀላእቶምውን ክተድሕኖም ኢኻ።


ሳኦልን እቲ ዅሉ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ከዓ ተኣኪቦም ናብቲ ውግእ ኣተዉ። እንሆ ድማ ናይ ሕድሕድ ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ብፃዩ ነበረ። የመና ብርቱዕ ድንጋፀ ኸዓ ኾነ።


እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንደቂ እስራኤል ኣድሓኖም። እቲ ውግእ ኸዓ ብወገን ቤት ኣዌን ሓለፈ።


ሳሙኤል ንሳኦል፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እስራኤል ንጉስ ክትከውን፥ ክቐብአካ ልኢኹኒ ነይሩ። ሕዚ ኸዓ ነቲ እግዚኣብሄር ዝብለካ ቓል ስማዕ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል “ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ እንተለኹስ፥ ንስኻ ኽሳዕ መኣዝ ኢኻ ንሳኦል እትሓዝነሉ? ናብ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም ክልእኸካ፥ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዝኾነኒ ሪአ ኣለኹ እሞ ቐርንኻ ዘይቲ መሊእኻ ኺድ” በሎ።


ንእሴይ ከዓ ናብቲ መስዋእቲ ፀውዓዮ፤ እቲ እትገብሮ ድማ ኣነ ኽነግረካ እየ፤ ነቲ ዝብለካ ኸዓ ቕብአለይ” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos