Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 9:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ንሳተን ከዓ “እወ፥ ኣብ ቅድሜኹም ኣሎ፤ ሕዚ ቐልጥፉ፤ እዝ ህዝቢ ሎሚ ኣብቲ በሪኽ ዘሎ መስገዲ ኽስውእ እዩ እሞ፥ ንሱ ሎሚ ናብዛ ኸተማ መፂኡ ኣሎ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 9:12
11 Referencias Cruzadas  

ያእቆብ ኣብቲ እምባ መስዋእቲ ሕሩድ ሰውአ። ነቶም ሰቡ ኸዓ እንጀራ ኽበልዑ ፀውዖም። እንጀራ በሊዖም ድማ ኣብቲ እምባ ሓደሩ።


ንካህን ሳዶቅን ነቶም ኣሕዋቱ ኻህናትን ከዓ፥ ኣብቲ ናይ ገባዖን በሪኽ ዘሎ መሕደሪ እግዚኣብሄር ከገልግሉ መደቦም።


“ድሕሪዙይ ናብቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ዘለውዎ ዀረብታ እግዚኣብሄር ክትበፅሕ ኢኻ። ናብታ ኸተማ ኽትኣቱ እንተለኻ ድማ፥ ብበገናን ከበሮን እምብልታን መሰንቆን ዝተሰነዩ ጉባኤ ነቢያት፥ ካብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ እንትወርዱ ኽትረክብ ኢኻ፤ ንሳቶም ከዓ ኽንበዩ እዮም።


ሳሙኤል ከዓ “ሳኦል እንተ ሰምዐ ኽቐትለኒ እዩ፤ ከመይ ኢለ ክኸይድ?” በለ። እግዚኣብሄር ድማ “ዓርሒ ተማላእ እሞ ‘ንእግዚኣብሄር ክስውአሉ ኢለ መፂአ’ በል።


ኣነ ኸዓ ኸም ልበይን ከም ሓሳበይን ዝገብር እሙን ካህን ከተስእ እየ፤ ንእኡ ፅኑዕ ቤት ከቑመሉ እየ፤ ንሱውን ኵልሻዕ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝቐባእክዎ ኸገልግል እዩ።


ኣቦኻ እንተ ሰኣነኒ፥ ‘ንዅሎም ዓሌቱ ኣብኡ ናይ ዓመት መስዋእቲ ኣለዎም እሞ፥ ዳዊት ናብ ከተማኡ ቤተ ልሔም ክኸይድ ኣፅኒዑ ለሚኑኒ በል’ በሎ።


ቤቱ ኣብ ኣርማቴም ስለ ዝነበረት፥ ናብኣ ይምለስ ነበረ፤ ኣብኣ ድማ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ኣብኣውን ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos