Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 9:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ንሳቶም በቲ ናብታ ኸተማ ዘደይብ ዓቐበት ክድይቡ እንተለዉ፥ ማይ ክወርዳ ዝወፃ ኣዋልድ ረኸቡ እሞ “እቲ ረኣዪ ኣብዙይዶ ኣሎ?” ኢሎም ጠየቑወን።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 9:11
9 Referencias Cruzadas  

ኣጋ ምሸት፥ በታ ኣንስቲ ንማይ ዝወርዳላ ጊዜ ኸዓ፥ ኣብ ወፃኢ ኸተማ ኣብ ጥቓ ዒላ ማይ፥ ነተን ኣግማል ኣንበርከኸን።


ገና ዘረባኡ እንተይወድአ ድማ እንሆ ርብቃ ዕትሮኣ ኣብ ማእገራ ፆይራ መፀት። ንሳ ጓል ባቱኤል ወዲ ሚልካ፥ ሰበይቲ ናኮር ሓው ኣብርሃም እያ።


ንሳቶም ድማ “ኵለን መጓሰታት ክሳዕ ዝእከባ፥ ነቲ እምኒ ኸዓ ኻብ ኣፍ እቲ ዒላ ኽሳዕ ዝግምጥልዎ ኣይንኽእልን ኢና፤ ድሕሪኡ ኢና ነተን ኣብጊዕ እነስትየን” በልዎ።


ራሄል ባዕላ ኣባጊዕ ኣቦኣ ትጓሲ ነበረትሞ፥ ያእቆብ ገና ምስኣቶም ክዛረብ እንተሎ፥ ምስ ኣባጊዕ ኣቦኣ መፀት።


ንኻህን ምድያም ድማ ሸውዓተ ኣጓላት ነበራኦ። ኣባጊዕ ኣቦአን ከስትያ፥ ማይ ቀዲሐን ነቲ ጋብላታት መልኣኦ።


ከም ሓጥእ ንቤት ፃድቕ ኣይተድብየላ፤ ነታ መንበሪኡውን ኣይትሃውካ።


ካብ ደሃይ ቀስተኛታት ርሒቖም፥ ኣብ መንጎ ጋብላታት ኣብኡ ግብርታት ፅድቂ እግዚኣብሄር፥ እቲ ኣብ እስራኤል እተገብረ ግብርታት ፅድቂ ኣሕሉቕ ድማ ይንገሩ፤ ብድሕሪኡ ህዝቢ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገታት ወረዱ።


ሳኦል ድማ ነቲ ኣገልጋሊኡ “ፅቡቕ ተዛሪብካ፤ ንዓናይ ንኺድ” በሎሞ፥ ናብታ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዘለዋ ኸተማ ኸዱ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos