10 ሳኦል ድማ ነቲ ኣገልጋሊኡ “ፅቡቕ ተዛሪብካ፤ ንዓናይ ንኺድ” በሎሞ፥ ናብታ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዘለዋ ኸተማ ኸዱ።
ሓወቦ ሳኦል ከዓ ንእኡን ንኣገልጋሊኡን “ናበይ ኬድኩም ኔርኩም?” በሎም። ንሱ ድማ “ኣእዱግ ክንደሊ፥ ምስ ሰኣንናየን ከዓ ናብ ሳሙኤል ከድና” በሎ።
ንሳቶም በቲ ናብታ ኸተማ ዘደይብ ዓቐበት ክድይቡ እንተለዉ፥ ማይ ክወርዳ ዝወፃ ኣዋልድ ረኸቡ እሞ “እቲ ረኣዪ ኣብዙይዶ ኣሎ?” ኢሎም ጠየቑወን።
(እዝ ሎሚ ነቢይ ዝበሃል ዘሎ፥ ቀደም ረኣዪ ይበሃል ነበረ እሞ፥ ቀደም ኣብ እስራኤል ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ክጥይቕ እንትኸይድ “ንዑ ናብ ረኣዪ ንኺድ” ይብል ነበረ።)