1 ካብ ነገድ ብንያም ቂስ ዝበሃል ሓያል ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ወዲ ኣቢኤል፥ ወዲ ፀሮር፥ ወዲ ብኮራት፥ ወዲ ብንያማዊ ኣፌቅ ፅኑዕ ሓያል ሰብ ነበረ።
ቤርዜሊ ወዲ ሰማንያ ዓመት ነበረ። እምብዛ ድማ ሸምጊሉ ነበረ። የመና ሃብታም ነበረ እሞ፥ ንንጉስ ኣብ መሓናይም እንተሎ ይቕልቦ ነበረ።
ኣብ ከተማ ሱሳ ሓደ መርዶክዮስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ነበረ፤ ንሱ ወዲ ኢያዕር፥ ወዲ ሰሜዒ፥ ወዲ ቂስ፥ ካብ ደቂ ብንያም ነበረ።
ጥሪቱ ድማ ሸውዓተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሰለስተ ሽሕ ኣግማል፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ፅምዲ ኣብዑር፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ወላዳት ኣእዱግ ነበረ፤ ብዙሓት ግዙኣትውን ነበርዎ። እዝ ሰብ እዙይ ካብ ኵሎም ሰብ ምብራቕ ዝበለፀ ዓብዪ ነበረ።
ብድሕሪዙይ ንጉስ ከንግሰሎም ለመኑ፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ካብ ነገድ ብንያም ንዝኾነ ሳኦል ወዲ ቂስ፥ ነርብዓ ዓመት ኣንገሰሎም።
ጐይዮም ከዓ ንሳኦል ካብኡ ኣምፅእዎ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ደው ምስ በለ ድማ፥ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ማእገሩ ንላዕሊ ነውሖ።
ቂስ ኣቦ ሳኦልን ኔር ኣቦ ኣበኔርን ድማ ደቂ ኣቢኤል እዮም።
ሓደ ኣብ ቀርሜሎስ መሬት ዝነበሮ ሰብኣይ ኣብ ፋራን ነበረ። ንሱ የመና ሃብታም ነበረ፤ ሰለስተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሽሕ ኣጣልውን ነበራኦ። በቲ ጊዜ እቱይ ድማ ፀጕሪ ኣባጊዑ ኣብ ቀርሜሎስ ይቘርፅ ነበረ።