8 ኣነ ንኣኣቶም ካብ ግብፂ ኻብ ዘውፃእኹዎም መዓልቲ ጀሚሮም፥ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዘምለኹ፥ ንኣኻውን ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ።
ከም ኣቦታቶም ከይኾኑ፥ ዓላዊትን መራርን ትውልዲ፥ ልባ ዘየቕንዐት ትውልዲ፥ ነፍሳ ብእግዚኣብሄር ዘይተኣመነት ከይኾኑ።
ኣስዒቦም ከዓ “እቲ ኣብ ጥቓ ስጋ ዝመልአ ቝራዕ ኮፍ ኢልና እንትንበልዕ፥ ዝደለናዮ እንጀራ በሊዕና ኸዓ ኽንፀግብ እንተለና፥ ብኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ግብፂ እንተንመውት ምሐሸና። ንስኻትኩም ግና ንዅልና ብጥሜት ክትቀትሉና፥ ናብዝ በረኻ እዙይ ኣውፃእኹምና” በልዎም።
እቶም ህዝቢ ድማ “እንሰትዮ ማይ ሃበና” ኢሎም ምስ ሙሴ ተጓየቑ። ሙሴ ኸዓ “ስለ ምንታይ ምሳይ ትበኣሱ? ስለ ምንታይከ ንእግዚኣብሄር እትፈታተንዎ?” በሎም።
እቶም ህዝቢ፥ ሙሴ ኻብ እምባ እንተይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረአዩ፥ ተኣኪቦም ናብ ኣሮን ከዱ እሞ “ነዝ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ ተስእ፤ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ኸዓ ግበረልና” በልዎ።
‘ሸውዓተ ዓመት ምስ ተፈፀማ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ባዕሉ ንኣኻትኩም ንባርነት ዝሸጠ እሞ፥ ሽዱሽተ ዓመት ዝተገዝአኩም ዕብራዊ ሓውኩም፥ ነፍሲ ወከፍኩም ሓራ ኣውፅእዎ፤’ ግና ኣቦታትኩም ኣይሰምዑንን ኣእዛኖምውን ፅን ኣየበሉን።
በለኒውን፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናብ ደቂ እስራኤል፥ ናብቶም ካባይ ዝዓመፁ ዓመፀኛታት ህዝቢ እልእኸካ ኣለኹ፤ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዓሚፆሙኒ ኣለዉ።
ንፅባሒቱ ድማ ዅሉ እቲ ማሕበር፦ “ንስኻትኩም ንህዝቢ እግዚኣብሄር ቀተልክምዎ” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ።
ካብታ ዝፈለጥኩኹም መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዓመፀኛታት ነበርኩም።
ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣርብዓ ዓመት ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ሃቦም።
ቍጥዓ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኽዎ ቓል ኪዳነይ ስለ ዘፍረሱ፥ ንኣይ ከዓ ስለ ዘይሰምዑኒ፥
ናዖድ ምስ ሞተ ኸዓ፥ ደቂ እስራኤል መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስራሕ ገበሩ።
ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስራሕ ገበሩ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሸውዓተ ዓመት ኣብ ኢድ ምድያማውያን ኣሕሊፉ ሃቦም።
እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ከይነግስ፥ ንኣይ እዮም ዝነዓቑ እምበር፥ ንኣኻ ኣይኮኑን ዝነዓቑ እሞ፥ ኵሉ እዞም ህዝቢ ዝበሉኻ ቓሎም ስማዕ።
ሕዚ እውን ቃሎም ስማዕ፤ ግና ፅኑዕ ምስክርነት መስክረሎም፤ ናይቲ ኣብ ልዕሊኣቶም ዝነግስ ንጉስ ስርዓትውን ንገሮም።”