7 እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ከይነግስ፥ ንኣይ እዮም ዝነዓቑ እምበር፥ ንኣኻ ኣይኮኑን ዝነዓቑ እሞ፥ ኵሉ እዞም ህዝቢ ዝበሉኻ ቓሎም ስማዕ።
ሙሴ ድማ “እግዚኣብሄር እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረምኩምዎ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ብምሸት ስጋ ኽትበልዑ፥ ብጊሓት ከዓ ምግቢ ኽትፀግቡ ዝህበኩም እግዚኣብሄር እዩ። እቲ ኣብ ልዕሌና ዘጕረምረምኩምዎ፥ ብእግዚኣብሄር ኢኹም ዘጕረምረምኩም እምበር ብኣና ኣይኮነን። ንሕና ደኣ እንታዎት ኴንና!” በሎም።
ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ገበሩ፤ ደስ ዘየብለኒውን ሓረዩ እምበር፥ ፀዊዐ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፤ ተዛሪበ ኸዓ ኣይሰምዑንን እሞ፥ ኣነ ኸዓ ዝጐድኦም ክሓሪ፥ ዝፈርሕዎ ድማ ኸውርደሎም እየ።”
‘ሸውዓተ ዓመት ምስ ተፈፀማ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ባዕሉ ንኣኻትኩም ንባርነት ዝሸጠ እሞ፥ ሽዱሽተ ዓመት ዝተገዝአኩም ዕብራዊ ሓውኩም፥ ነፍሲ ወከፍኩም ሓራ ኣውፅእዎ፤’ ግና ኣቦታትኩም ኣይሰምዑንን ኣእዛኖምውን ፅን ኣየበሉን።
በለኒውን፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናብ ደቂ እስራኤል፥ ናብቶም ካባይ ዝዓመፁ ዓመፀኛታት ህዝቢ እልእኸካ ኣለኹ፤ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዓሚፆሙኒ ኣለዉ።
ግናኸ ዅሉ ቤት እስራኤል፥ ግምባሮም ተሪር፥ ልቦም ሓራን እዩ እሞ፥ ቤት እስራኤል ክሰምዑኒ ዘይፈትዉ ስለ ዝኾኑ፥ ንኣኻውን ኣይሰምዑኻን እዮም።
እግዚኣብሄር ድማ ብለይቲ ናብ በለዓም መፂኡ፥ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ክፅውዑኻ ኻብ መፁ ምስኣቶም ኪድ፤ ግና እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ግበር” በሎ።
“ንኣኻትኩም ዝቕበል፥ ንኣይ ይቕበል፤ ንኣይ ዝቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበል።
እቲ ንኣኻትኩም ዝሰምዕ፥ ንኣይ እዩ ዝሰምዕ፤ እቲ ንኣኻትኩም ዘይቕበል፥ ንኣይ እዩ ዘይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዘይቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዘይቕበል።”
ደቂ ዓዱ ግና ፀልእዎ እሞ ‘እዙይ ኣብ ልዕሌና ኽነግስ ኣይንደልን ኢና’ ኢሎም፥ ደድሕሪኡ ልኡኻት ሰደዱ።
ነዞም ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ ዘይደለዩ ፀላእተይ ግና፥ ናብዙይ ኣምፂእኹም፥ ኣብ ቅድመይ ቅተልዎም’ ” በለ።
ሓሽከር ካብ ጐይታኡ፥ ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኸም ዘይበልፅ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
ጌዴዎን ከዓ “ኣነስ ኣይገዝአኩምን፤ ወደይውን ኣይገዝአኩምን፤ እግዚኣብሄር ደኣ ይግዛእኹም” በሎም።
ንስኻትኩም ግና ሎሚ ነቲ ኻብ ኵሉ መከራን ጭንቀትን ዘድሕነኩም ኣምላኽ ነዓቕኩምዎ፤ ንእኡ ኸዓ ‘ኣይፋልካን! ንጉስ ደኣ ኣንግሰልና’ በልኩምዎ። እምበኣር ሕዚ በብነገድኩምን በብማይ ቤትኩምን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ” በሎም።
ሳሙኤል ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “እንሆ፥ ኵሉ እቲ ዝበልኩምኒ ቓል ሰሚዐ ንጉስ ኣንገስኩልኩም።
“ንጉስ ደቂ ኣሞን ናዖስ ከም ዝመፀኩም ምስ ረአኹም ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንጉስኩም እንተሎስ፥ ‘ኣይፋሉን፥ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይንገስ’ በልኩምኒ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሳሙኤል “ቃሎም ስማዕ እሞ ንጉስ ኣንግሰሎም” በሎ። ሳሙኤል ድማ ንሰብ እስራኤል “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናብ ከተማኡ ይኺድ” በሎም።
ኣነ ንኣኣቶም ካብ ግብፂ ኻብ ዘውፃእኹዎም መዓልቲ ጀሚሮም፥ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዘምለኹ፥ ንኣኻውን ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ።