3 እቶም ደቁ ግና ብመንገዱ ኣይከዱን፤ ናብ ስስዕና ደኣ ዘምበሉ፤ ጉቦ እናተቐበሉውን ፍርዲ የቐይንኑ ነበሩ።
ቀፂሉውን “ኣነ ዳኛ እንተ ዝኸውን ነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ወይ ዝፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ እንተ ዝመፅእ፥ ሓቂ ምፈረድኩሉ ነይረ፤ ኣብዛ ሃገር እሞ መን ፈራዲ ይገብረኒ!” ይብል ነበረ።
ገንዘቡ ብሃረፃ ዘየለቅሕ፥ ኣብ ልዕሊ ንፁህ ጉቦ ዘይቕበል፤ እቲ ኸምዙይ ዝገብር ንዘለኣለም ኣይህወኽን።
ንሳቶም ኣብ ኢዶም ተንዀል ኣለዎም፤ የማናይ ኢዶም ድማ ጉቦ ዝመልአ እዩ።
ካብ ኵሉ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ፥ እሙናት፥ ረብሓ ዓመፃ ዝፀልኡ፥ ክኢላታት ሰባት ምረፅ። ንኣኣቶም ከዓ ኣሕሉቕ ሽሕን፥ ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ኣሕሉቕ ሓምሳን፥ ኣሕሉቕ ዓሰርተን ጌርካ ኣብ ልዕሊኣቶም ሹመሎም።
“ድኻ ናብ ፍርዲ እንተ ቐረበ፥ ‘ድኻ እዩ’ ኢልካ ፍትሒ ኣይተጕድለሉ።
“ጉቦ ነቶም ዝሪኡ ዘዕውር፥ ዘረባ ፃድቃን ከዓ ዘቐይንን እዩ እሞ፥ ጉቦ ኣይትቀበል።
ንሱ ለባም ክኸውን ወይ ዓሻ፥ መን ይፈልጥ? ምስ ናይ እዙይ ግና ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ጥበበኛ ኮይነ ዝፀዓርኩሉ ዅሉ ስራሐይ ንሱ እዩ ዝጕይተተሉ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።
ገዛእትኺ ሸፋቱን ኣዕርኽቲ ጐሓሉትን እዮም፤ ኵሎም ጉቦ ይፈትዉ፤ ደድሕሪ ጉቦውን ይጐዩ፤ ንደኽታም ፍትሒ ኣየውፅኡሉን፤ ጥርዓን መበለት ከዓ ኣብኣቶም ኣይበፅሕን እዩ።
እቲ ብፅድቂ ዝነብር፥ ቅንዕና ዝዛረብ፥ ገንዘብ ዓመፃ ዘይደሊ፥ ጉቦ ኸይቕበል ኢዱ ዝእክብ፥ ደም ምፍሳስ ከይሰምዕ እዝኑ ዝዓፁ፥ ክፉእ ከይርኢውን ኣዒንቱ ዝዕምት፥
ኣሕሉቓ ብጉቦ ይፈርዱ፤ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፤ ነቢያታ ብገንዘብ ይጥንቍሉ፤ ምስ ናይ እዙይ ከዓ “እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእኸልና ኣይኮነን? መዓት ኣይወርደናን እዩ” እናበሉ፥ ብእግዚኣብሄር ይእመኑ።
ፍርዲ ኣይተቐይንኑ፤ ኣድልዎውን ኣይትግበሩ። ጉቦ፥ ዓይኒ ለባማት የዕውር፤ ነገር ፃድቃን ድማ የቐይንን እዩ እሞ፥ ጉቦ ኣይትቀበሉ።
ዘይሰክር፥ ዘይበኣስ፥ ሕያዋይ፥ ዘይተሃላለኽ፥ ፈታዊ ገንዘብ ዘይኮነ፥
ፍቕሪ ገንዘብ፥ ናይ ኵሉ ኽፍኣት ሱር እዩ እሞ፤ ገሊኣቶም ብሰንኪ ህርፋን ገንዘብ፥ ካብ መንገዲ እቲ እምነት ወፂኦም፥ ንባዕላቶም ብዙሕ ስቓይ ኣምፅኡ።
ሕዚ ኸዓ እቲ ዝመርሐኩም ንጉስ እንሆ፤ ኣነ ኣሪገ እየ፤ ደቀይ ከዓ ምሳኻትኩም ኣለዉ። ኣነ ድማ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቐቅድሜኹም ከድኩ።
ኣነ ኸዓ ኸም ልበይን ከም ሓሳበይን ዝገብር እሙን ካህን ከተስእ እየ፤ ንእኡ ፅኑዕ ቤት ከቑመሉ እየ፤ ንሱውን ኵልሻዕ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝቐባእክዎ ኸገልግል እዩ።