10 ሳሙኤል ድማ ነቶም ንጉስ ከንግሰሎም ዝለመኑ ህዝቢ፥ ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ነገሮም።
ኤርሚያስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ንኣኣቶም ክነግሮም ዝለኣኾ ንዅሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ነቶም ህዝቢ ተናጊሩ ምስ ወድአ፥
ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝነግስ ንጉስ ከምዙይ ክገብረኩም እዩ፦ ነወዳትኩም ወሲዱ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ክገብሮም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ቐቅድሚ ሰረገላኡ ኽጐዩ እዮም።
ሽዑ ዅሎም ዓበይቲ እስራኤል ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ናብ ኣርማቴም መፁ፤