8 ንሳሙኤል ድማ “ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕነናስ ምእንታና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ምፅላይ ኣይትሕደግ” በልዎ።
ንጉስ ኣሶር ንራፋስቂስ፥ ነቲ ንህያው ኣምላኽ ክፃረፍ ዝለኣኾ፥ ናይ ራፋስቂስ ፀርፊ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰሚዑ፥ ነቲ ዝተፃረፈ ይቐፅዖ ይኸውን። ንስኻ ኸዓ ምእንቲ እቲ ተሪፉ ዘሎ ተረፍ ፀሎት ግበር።”
ፅድቃ ኸም ድሙቕ ብርሃን፥ ምድሓና ኸዓ፥ ከም ሃልሃልታ ፋና ኽሳዕ ዝወፅእ፥ ስለ ፅዮን ስቕ ኣይብልን፤ ስለ ኢየሩሳሌምውን ኣየዕርፍን እየ።
ሓቀኛታት ነቢያት እንተ ደኣ ኾይኖም፥ ቃል እግዚኣብሄርውን ብርግፅ እንተ ሃልዩዎምስ፥ እዝ ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ ቤተ መንግስቲ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቑሑ ናብ ባቢሎን ከይውሰድ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ይለምኑ” ኢለ ነገርክዎም።
ንነቢይ ኤርሚያስውን፦ “ካብ ብዙሓት፥ ውሑዳት ከም ዝተረፍና ትሪአና ኣለኻሞ፥ በይዛኻ ልመናና ኣብ ቅድሜኻ ትብፃሕ። ኣምላኽካ እግዚኣብሄር፥
እምበኣርከስ ምእንቲ ኽትሓውዩ፥ ንስንሳትኩም ሓጢኣትኩም ተናዘዙ፤ ምእንቲ ንስንሳትኩምውን ፀልዩ። ፀሎት ፃድቕ ሓይሊ ኣለዋ፤ ብዙሕውን ተስልጥ እያ።