7 ፍልስጥኤማውያን ከዓ ደቂ እስራኤል ኣብ ምፅጳ ኸም ዝተኣከቡ ምስ ሰምዑ፥ እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ንደቂ እስራኤል ክዋግእዎም ደየቡ። ደቂ እስራኤል ድማ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ንፍልስጥኤማውያን ፈርሕዎም።
ሽዑ ኢዮሳፍጥ ፈርሐ እሞ ንእግዚኣብሄር ክደሊ ገፁ መለሰ፤ ኣብ ኵሉ ይሁዳውን ፆም ኣወጀ።
ፈርዖን ምስ ቀረበ፥ ደቂ እስራኤል ኣዒንቶም ኣልዓሉ፤ እንሆ ግብፃውያን ደድሕሪኣቶም ከም ዝገስገሱ ምስ ረአዩ የመና ፈርሑ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ተማህለሉ።
እቶም ሰብ እስራኤል፥ ፍልስጥኤማውያን ንሰራዊቶም ከም ዘፅበቡሎም ምስ ረአዩ፥ ኣብ በዓትታትን ኣብ ዱርን ኣብ ኣኻውሕን ኣብ ጐዳጕድን ኣብ ዒላታትን ተሓብኡ።
ሳኦልን ኵሉ እስራኤልን ዘረባ እቲ ፍልስጥኤማዊ ምስ ሰምዑ፥ የመና ፈርሑን ተሸበሩን።