Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 7:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 እቲ ታቦት ኣብ ቂርያትየዓሪም ካብ ዝቕመጥ ጊዜኡ ነውሐ፤ ኣስታት ዕስራ ዓመትውን ኮነ። ኵሎም ቤት እስራኤል ድማ ሓዚኖም ናብ እግዚኣብሄር ይቝዝሙ ነበሩ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 7:2
13 Referencias Cruzadas  

ነቲ ብዘመን ሳኦል ረሲዕናዮ ዝነበርና ታቦት ኣምላኽና ኸዓ ናባና ነምፅኣዮ።”


ዳዊት ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያት የዓሪም ምእንቲ ኸምፅኦ ኸዓ፥ ካብ ሩባ ሲሖር ናይ ግብፂ ጀሚሩ፥ ክሳዕ መእተዊ ሓማት ንዝነበሩ ዅሎም ደቂ እስራኤል ኣከቦም።


ከምኡውን ትንቢት ዝተነበየ ኦርዮ ወዲ ሸማያ፥ በዓል ቅርያትየዓሪም ነበረ። ንሱ ኸዓ ኸም ኵለን ቃል ኤርሚያስ ገይሩ፥ ኣብ ከተማን ኣብዛ ምድሪ እዚኣን ትንቢት ተናገረ።


እምበኣርከስ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኸም ዝጠለምኪ ተኣመኒ፤ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኣእዋም ንጓኖት ኣማልኽቲ ኽትሰግዲ ኣብዙይን ኣብቱይን ፀፋዕፋዕ ከም ዝበልኪ፥ ቃለይውን ከም ዘይሰማዕኺ ተኣመኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


እናበኸዩ ኽመፁ እዮም፤ ብምፅንናዕ ክመርሖም እየ፤ ብዘይዕንቀፉላ ቕንዕቲ መንገዲ፥ ናብ ወሓዚ ማይ ክመርሖም እየ፤ ኣነ ንእስራኤል ኣቦ እየሞ፥ ኤፍሬም ከዓ በዅሪ ወደይ እዩሞ።


ዝሓዝኑ ብፁኣን እዮም፤ ምፅንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ።


ደቂ እስራኤል ድማ ኻብቲ ዝነበርዎ ተልዒሎም ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብተን ጊብዓን ከፌራን ቤኤሮትን ቂርያት የዓሪምን ዝበሃላ ኸተማታቶም በፅሑ።


እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዅሎም ደቂ እስራኤል እዘን ቃላት እዚኣተን ምስ ተዛረቦም፥ እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም በኸዩ።


እቶም ሰብ ቂርያትይዓሪም ድማ መፂኦም ንታቦት እግዚኣብሄር ኣደዪቦም ናብታ ኣብ ኰረብታ ዘላ ቤት ኣሚናዳብ ኣእተውዎ፤ ንወዱ ኣልኣዛር ከዓ ታቦት እግዚኣብሄር ክሕሉ ቐደስዎ።


ሳሙኤል ከዓ ንዅላ ቤት እስራኤል “ንስኻትኩም ብምሉእ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ትምለሱ እንተ ዄንኩም፥ ባዕዳን ኣማልኽትን ኣስታሮትን ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቑ፤ ልብኹም ከዓ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፤ ንእኡ ጥራሕውን ኣምልኹ፤ ሽዑ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕነኩም እዩ” በሎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos