16 ዓመት ዓመት ከዓ ናብ ቤቴልን ጌልጌላን ምፅጳን ይዘውር ነበረ፤ ኣብ ኵለን እዘን ቦታታት እዚኣተን ከዓ ንደቂ እስራኤል ይፈርዶም ነበረ።
ስም እታ ኸተማ ቕድም ሎዛ ይበሃል ነበረ። ያእቆብ ግና “ቤቴል” ኢሉ ሰመያ።
ያእቆብን ኵሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን፥ ናብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሎዛ፥ ሕዚ ቤቴል ናብ እትበሃል መፁ፤
ነቲ ምዱብ ጊዜ ምስ ረኸብኩ፥ ኣነ ሓቂ ኽፈርድ እየ።
“ኣቱም ካህናት፥ ነዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ኣቕልቡ፤ ኣቱም ቤት ንጉስ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ምፅጳ መፈንጠር፥ ኣብ ታቦር ከዓ ዝተዘርግሐት መርበብ ኴንኹም ኢኹም እሞ፥ እዝ ፍርዲ እዙይ ኣብ ልዕሌኹም እዩ።
ግና ጌልገላ ፈፂማ ኽትማረኽ እያ፤ ቤቴልውን ከንቱ ኽትከውን እያሞ፥ ንቤቴል ኣይትድለዩ፤ ናብ ጌልገላ ድማ ኣይትእተዉ፤ ናብ ቤርሳቤህውን ኣይትሕለፉ።”
ምፅጳን ከፊራን ኣሞቂ፥
ደቂ እስራኤል ኣብ ጌልገላ ሰፊሮም እንተለዉ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ወርሒ ኣጋ ምሸት ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ፋሲካ ገበሩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “ሎሚ ነቲ ናይ ግብፂ ነውሪ ኻባኻትኩም ኣወገድክዎ” በሎ። ስም እታ ቦታ እቲኣ ኸዓ ኽሳዕ ሎሚ ጌልገላ ይበሃል ኣሎ።
ንሱ ኣብ ልዕሊ ሰላሳ ኣእዱግ ዝቕመጡ፥ ሰላሳ ደቂ ነበርዎ፤ ኣብ ምድሪ ገለዓድ ዘለዋ ሰላሳ ኸተማታት ከዓ ይገዝኡ ነበሩ። ንሳተን ክሳዕ ሎሚ ዓድታት ኢያኢር ይበሃላ ኣለዋ።
ንሱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ሰብዓ ኣእዱግ ዝቕመጡ ኣርብዓ ደቅን ሰላሳ ደቂ ደቅን ነበርዎ። ንደቂ እስራኤል ድማ ሸሞንተ ዓመት ፈረደ።
ኣቱም ኣብ ልዕሊ ፀዓዱ ኣእዱግ እትቕመጡ፥ ኣቱም ኣብ ወለሽ ምንፃፍ እትቕመጡ፥ ኣቱም ሓለፍቲ መንገዲውን ብዛዕባኡ ተዛረቡ።
ሳሙኤል ድማ ንህዝቢ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ኣብ ምፅጳ ፀውዖም።
ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ “ንዑናይ! ናብ ጌልገላ ንኺድ፤ ኣብኡ ኸዓ ነቲ መንግስቲ ነሐድሶ” በሎም።
ሳሙኤል ድማ “ንዅሎም ደቂ እስራኤል ናብ ምፅጳ ኣክብዎም፤ ኣነ ኸዓ ምእንታኻትኩም ንእግዚኣብሄር ክልምኖ እየ” በሎም።