12 ሽዑ ሳሙኤል ሓደ እምኒ ወሲዱ ኣብ መንጎ ምፅጳን ሼንን ኣንበሮ፤ “እግዚኣብሄር ክሳዕ እዙይ ረድአና” እንትብል ድማ፥ ኣቤንዔዘር ኢሉ ሰመዮ።
ኣብርሃም ከዓ ነቲ ቦታ እቱይ “እግዚኣብሄር ከዳሉ እዩ” ኢሉ ሰመዮ። ክሳዕ ሎሚ “ኣብቲ እምባ እግዚኣብሄር፥ ከዳሉ እዩ” ይበሃል።
ያእቆብ ድማ ኣብታ ምስ እግዚኣብሄር ዝተዘራረበላ ቦታ ብእምኒ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ኣቖመ። ኣብኣ ድማ መስዋእቲ መስተ ኣፍሰሰ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ዘይቲ ኣፍሰሰ።
ኦ ኣምላኸይ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሃርካኒ፤ ክሳዕ ሕዚ እውን ተኣምራትካ እናገር ኣለኹ።
ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚረ ብኣኻ ተደገፍኩ፤ ካብ ማህፀን ወላዲተይ ጀሚሩውን ንስኻ ተስፋይ ኢኻ፤ ኵልሻዕውን ምስጋናይ ንኣኻ እዩ።
ሙሴ ኸዓ መሰውኢ ሰርሐ፤ “እግዚኣብሄር ሰንደቕ ዕላማይ እዩ” ኢሉ ድማ ሰመዮ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእኸል ሃገር ግብፂ፥ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽስራሕ እዩ፤ ኣብ ወሰና ኸዓ ንእግዚኣብሄር ዓምዲ ኽትከል እዩ።
እንተ ኾነ፥ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ረድኤት እግዚኣብሄር ረኺበ፥ ንንኡስን ንዓቢይን እናመስከርኩ፥ ደው ኢለ እኒሀኹ። ብዘይ እቲ ሙሴን ነቢያትን ክኸውን ከም ዘለዎ ዝተዛረብዎ፥ ካልእ ሓደኳ ኣይወሰኽኩን።
ንሱ ንሞት ካብ ዘብፅሕ ሓደጋ ኣድሒኑና እዩ፤ ከድሕነና ድማ እዩ፤ ንዳሕራይውን ከም ዘድሕነና፥ ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣለና።
ኢያሱ ድማ ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ቃል ኪዳን ዝፆሩ ኻህናት ዝቖሙላ ቦታ ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን ኣቖመ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብኡ ኣለዉ።
ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ። እዙይ እቲ ሳኦል ንእግዚኣብሄር ዝሰርሐሉ ቐዳማይ መሰውኢ እዩ።
ቃል ሳሙኤል ከዓ ኣብ ኵሉ እስራኤል ተሰምዐ። ደቂ እስራኤል ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ወፁ፤ ኣብ ጥቓ ኣቤንዔዘርውን ሰፈሩ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ኣፌቅ ሰፈሩ።
ፍልስጥኤማውያን ድማ ንታቦት እግዚኣብሄር ካብ ኤብንዔዘር ወሲዶም ናብ ኣዛጦን ኣምፅእዎ።
እቶም እስራኤላውያን ድማ ኻብ ምፅጳ ወፂኦም ንፍልስጥኤማውያን እግሪ እግሮም ሰዓብዎም፤ ክሳዕ ትሕቲ ቤት ካር እናሰዓቡውን ቀተልዎም።