11 እቶም እስራኤላውያን ድማ ኻብ ምፅጳ ወፂኦም ንፍልስጥኤማውያን እግሪ እግሮም ሰዓብዎም፤ ክሳዕ ትሕቲ ቤት ካር እናሰዓቡውን ቀተልዎም።
እግዚኣብሄርውን ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ኣደንገፆም። ኣብ ገባዖንውን ብዓብዪ መውቃዕቲ ወቕዖም፤ ብመንገዲ ዓቐበት ቤትሖሮንውን ኣሳጐጎም፤ ክሳዕ ዓዜቃን ክሳዕ ማቄዳን ከዓ ወቕዖም።
ሳሙኤል እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዕርግ እንተሎ፥ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ክዋግኡ ቐረቡ። እግዚኣብሄር ግና በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ነጐድጓድ ኣንጐድጒዱ ኣሸበሮም እሞ፥ ብደቂ እስራኤል ተስዓሩ።
ሽዑ ሳሙኤል ሓደ እምኒ ወሲዱ ኣብ መንጎ ምፅጳን ሼንን ኣንበሮ፤ “እግዚኣብሄር ክሳዕ እዙይ ረድአና” እንትብል ድማ፥ ኣቤንዔዘር ኢሉ ሰመዮ።