Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 7:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ሳሙኤል እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዕርግ እንተሎ፥ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ክዋግኡ ቐረቡ። እግዚኣብሄር ግና በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ነጐድጓድ ኣንጐድጒዱ ኣሸበሮም እሞ፥ ብደቂ እስራኤል ተስዓሩ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 7:10
21 Referencias Cruzadas  

ኦ ጐይታ፥ ካብ ቍጥዓኻ፥ ካብ እስትንፋስ መንፈስ መዓትካውን ዝተልዓለ፥ ዓይኒ ማያት ተርኣዩ፤ መሰረታት ምድሪ እውን ተገለፁ።


ድምፂ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፤ ኣምላኽ ክብሪ ኣንጐድጐደ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ።


ድምፂ እግዚኣብሄር ብሓይሊ እዩ፤ ድምፂ እግዚኣብሄር ብዓብዪ ኽብሪ እዩ።


ንፀላእቱውን ብድሕሪኡ ቐተለ፤ ናይ ዘለኣለም ሓሳርውን ሃቦም።


መሊሱ “ንዘሩባቤል፥ ዝተብሃሎ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦ ብመንፈሰይ እምበር፥ ብሓይልን ብብርተዐን ኣይኮነን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


“ነቶም ዝለዓሉኹም ፀላእትኹም፤ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኹም ተስዓርቲ ኽገብሮም እዩ፤ ብሓንቲ መንገዲ ኽመፁኹም እዮም፤ ካብ ቅድሜኹም ድማ ብሸውዓተ መንገዲ ኽሃድሙ እዮም።


እግዚኣብሄርውን ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ኣደንገፆም። ኣብ ገባዖንውን ብዓብዪ መውቃዕቲ ወቕዖም፤ ብመንገዲ ዓቐበት ቤትሖሮንውን ኣሳጐጎም፤ ክሳዕ ዓዜቃን ክሳዕ ማቄዳን ከዓ ወቕዖም።


እግዚኣብሄር ድማ ንሲሳራን ንዅሉ ሰራዊቱን ኣብ ቅድሚ ባርቅ ብስሕለት ሰይፊ ኣሸበሮም። ሲሳራ ኸዓ ኻብ ሰረገላኡ ወሪዱ ብእግሩ ሃደመ።


ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ተዋግኡ፤ ብኣካይዳኦምውን ምስ ሲሳራ ተዋግኡ።


ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሓረዩ፤ ሽዑ ውግእ ኣብ ኣፍ ደጌታት ኮነ፤ ኣብቶም ኣርብዓ ሽሕ እስራኤላውያን ከዓ ዋልታ ኾነ፥ ኲናት ኣይተርኣየን።


ሎሚ ጊዜ ቐውዒ ስርናይዶ ኣይኮነን? እቲ ንጉስ ብምልማንኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝገበርኩምዎ ኽፍኣት ዓብዪ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡን ክትሪኡንስ፥ ንእግዚኣብሄር ክልምኖ እየ፤ ንሱ ኸዓ ነጐድጓድን ዝናምን ክሰድድ እዩ።”


ሽዑ ኣብ ሰፈርን ኣብ በረኻን ኣብ ኵሉ ህዝቢ ፍልስጥኤምን ሽብር ኮነ፤ እቶም ጭፍራን እቶም ወረርትን ከዓ ኣንቀጥቀጡ። እግዚኣብሄር ፍርሓት ሰደደሎም፤ እታ ምድሪ ድማ ተናወፀት።


እቶም ምስ እግዚኣብሄር ዝፃልኡ ይደቁ፤ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኣቶም የንጐድጕድ፤ እግዚኣብሄር ክሳዕ ወሰን ምድሪ ይፈርድ፤ ንንጉስ ሓይሊ ይህብ፤ ንቐርኒ መሲሑ ኸዓ ልዕል ልዕል የብሎ።”


እቶም እስራኤላውያን ድማ ኻብ ምፅጳ ወፂኦም ንፍልስጥኤማውያን እግሪ እግሮም ሰዓብዎም፤ ክሳዕ ትሕቲ ቤት ካር እናሰዓቡውን ቀተልዎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos