Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 6:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ናበይ ከም ዝኸይድ ድማ ረአይዎ። ናብ ሃገሩ ዝወስድ መንገዲ ሒዙ ናብ ቤት ሳሚስ እንተ ደየበ፥ ሽዑ እዝ ብርቱዕ መቕፃዕቲ እዙይ ዘውረደልና እግዚኣብሄር እዩ፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ እዝ መዓት እዙይ ባዕሉ ዝኾነ እምበር፥ ዝወቕዐና ናቱ ኢድ ከም ዘይኮነ ኽንፈልጥ ኢና።”

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 6:9
13 Referencias Cruzadas  

እቲ ዝነገሮ መንእሰይ ከዓ “ብኣጋጣሚ ናብ እምባ ጊልቦዓ መፃእኹ፤ እንሆ ድማ፥ ሳኦል ኲናቱ ተመርኲሱ ደው ኢሉ ነበረ፤ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ከዓ ኣርከብዎ።


ወዲ ዴቀር ኣብ ማቃፅን ኣብ ሸዓልቢምን ኣብ ቤትሳሜስን ኣብ ኤሎንቤትሓናንን፥


ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ክዋጋእ ከተተ። ንሱን ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳን ድማ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤትሳሚስ ገፅ ንገፅ ተረኣኣዩ።


ፈርዖን ግና እቲ መዓት ከም ዝሃድአ ምስ ረአየ፥ ልቡ ኣትረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።


ኣነውን ተመሊሰ፥ ኣብቲ ትሕቲ ፀሓይ፥ ጕያ ንፈጣናት፥ ውግእ ንጀጋኑ፥ እንጀራ ንጥበበኛታት፥ ሃብቲ ንመስተውዓልቲ፥ ሞገስ ንፈላጣት ከም ዘይኾነ ረአኹ፤ ጊዜን ዕድልን ግና ንዅሎም ይራኸቦም።


ኦ እግዚኣብሄር፥ ኢድካ ልዕል ልዕል በለት፤ ግና ኣይረአዩን፤ ንህዝብኻ ዘለካ ቕንኣት ሪኦም ግና፥ ክሓፍሩ እዮም፤ ሓዊውን ንፀላእትኻ ኽትበልዖም እያ።


መለኸት ኣብ ከተማ እንትንፋሕኸ፥ ህዝብዶ ኣይድንግፅን እዩ? እግዚኣብሄር እንተይኣዘዘኸ፥ ንኸተማዶ ኽፉእ ይወርዳ እዩ?


ሓደ ካህን ድማ፥ በታ መንገዲ እቲኣ ኽወርድ እንተሎ ሪእዎ፥ ዘወር ኢሉ ሓለፈ።


ካብ በዓላ ንምዕራብ ድማ እቲ ወሰን ንእምባ ሴይር ይዘውር፤ ናብ ሰሜናይ ፀግዒ እምባ የዓሪም ከዓ ይሓልፍ፤ ንሱ ክሳሎን እዩ፤ ንቤትሳሜስ ወሪዱ ድማ ናብ ቲምና ይሓልፍ።


ዓይን ምስ መዋፈሪኣ፥ ዮጣህ ምስ መዋፈሪኣ፥ ቤትሳሜስ ድማ ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ካብዞም ክልተ ነገዳት እዚኣቶም ትሽዓተ ኸተማታት ሃብዎም።


እቶም ሰባት ከዓ ኸምኡ ገበሩ። ነተን ክልተ ዘጥብዋ ኣላሕም ወሲዶም ኣብቲ ሰረገላ ፀመድወን፤ ነተን ብተያተን ድማ ኣብ ቤት ዓፀውወን።


እተን ኣላሕም ድማ፥ እምባሕ እናበላ፥ በቲ ጐደና የማነ ፀጋም እንተይበላ፥ ናብ ቤትሳሚስ ናብ ዝወስድ መንገዲ ኣቕኒዐን ከዳ። እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኽሳዕ ወሰን ቤትሳሚስ ደድሕሪአን ከዱ።


ንሳቶም ድማ “ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንተ ሰደድኩምዎ፥ ጥራሑ ኣይትስደድዎ፤ መስዋእቲ በደል ደኣ ምለሱሉ፤ ሽዑ ኽትፍወሱ ኢኹም፤ ብብርቱዕ ዝቐፅዐኩምውን ብምንታይ ምኽንያት ምዃኑ ኽፍለጠኩም እዩ” ኢሎም መለሱሎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos