8 ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ወሲድኩም ኣብቲ ሰረገላ ግበርዎ፤ እቲ ንመስዋእቲ በደል እትመልሱሉ ኣቕሑ ወርቂ ኸዓ ኣብ ሳፁን ጌርኩም ኣብ ጐድኑ ኣንብርዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ፤
ንበጊዕ ዝኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ኸዓ ኽንዲ እቲ ዝገበሮ በደል ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን ንእግዚኣብሄር የቕርብ።