7 “ሕዚ ኸዓ ሓደ ሓድሽ ሰረገላ ሰሪሕኹም፥ በርዑት ተቘሪነን ዘይፈልጣ ኽልተ ዘጥብዋ ኣላሕም ውሰዱ እሞ፥ ነተን ኣላሕም ኣብቲ ሰረገላ ፅመድወን፤ ነተን ብተያተን ከዓ ፈሊኹም ካብ ድሕሪአን ናብ ቤት ምለስወን።
ንሳቶም ከዓ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ገይሮም ካብታ ኣብ ኰረብታ ዝነበረት ቤት ኣሚናዳብ ኣምፅእዎ፤ ነቲ ሓድሽ ሰረገላውን ዖዛን ኣሕዮን፥ ደቂ ኣሚናዳብ፥ ይመርሕዎ ነበሩ።
ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ፅዒኖም ድማ ኻብ ቤት ኣሚናዳብ ኣምፅእዎ። ዖዛን ኣሒዮን ከዓ ነቲ ሰረገላ ይመርሕዎ ነበሩ።
“እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሕግን ትእዛዝን እዙይ እዩ፦ ሓንቲ ጕድለትን ኣበርን ዘይብላ፥ በርዑት ተቘሪና ዘይትፈልጥ ቀያሕ ዓርሒ ኸምፅኡልካ፥ ንደቂ እስራኤል ንገሮም።
ብድሕሪዙይ እቶም ሹመኛታት ናይታ ናብቲ ሬሳ ዝቐረበት ከተማ፥ ንማሕረስ ዘይበቕዐት፥ ተቖሪና ዘይትፈልጥ ዓርሒ ይውሰዱ።
ናብ ዘይሕረስን ዘይዝራእን ወሓዚ ሩባ ዘለዎ ምድሪ ይውሰድዋ። ኣብቲ ሩባ ኸዓ ነታ ዓርሒ ኽሳዳ ጓዕፂፆም ይስበርዋ።