6 ከምቲ ግብፃውያንን ፈርዖንን ልቦም ዘትረሩ፥ ስለ ምንታይ ልብኹም ተትርሩ ኣለኹም? እግዚኣብሄር ንኣኣቶም ብብርቱዕ ምስ ቀፅዖምዶ ኣይኮነን ክኸዱ ዝሓደግዎም እሞ፥ ንሳቶም ድማ ዝኸዱ?
ንሱ ልቡ ጥበበኛ፥ ሓይሉውን ዓብዪ እዩ፤ ተቓዊምዎስ ዝሰለጦ መን እዩ?
ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝተፈታተንዎን፥ ዘቘጥዕዎን፥ ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ልብኹም ኣይተትርሩ።
ሙሴን ኣሮንን ድማ ኣትዮም ንፈርዖን፥ “ኣምላኽ ዕብራውያን እግዚኣብሄር ‘ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ቅድመይ እትዕበ? ኸገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።
ኣነ ድማ እንሆ ንልቢ ግብፃውያን ከትርር እየ። ንሳቶምውን ደድሕሬኹም ክስዕቡ እዮም። ኣነ ኸዓ ንፈርዖንን ንዅሎም ሰራዊቱን ንሰረገላታቱን ንፈረሰኛታቱን ብምስዓር ክኸብር እየ።
ግብፃውያን ድማ፥ ኵሎም ኣፍራስ ፈርዖንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ደድሕሪኣቶም ገስጊሶም ናብ ማእኸል ባሕሪ ኣተዉ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ ግብፂ ምስ ተመለስካ፥ ነተን ክትገብረን ኢለ ዝሃብኩኻ ዅለን ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ክትገብረን ከም ዘለካ ፍለጥ። ኣነ ግና ንልቢ እቲ ንጉስ ከትርሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ኣይሰዶን እዩ።
ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ልቢ ንጉስ ተሪሩ እዩ። ነቲ ህዝቢ ኸይሰዶ ኸዓ ኣብዩ ኣሎ።
ፈርዖን ግና እቲ መዓት ከም ዝሃድአ ምስ ረአየ፥ ልቡ ኣትረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
ሕዚ እውን ፈርዖን ልቡ ኣትረረ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ኣይሰደዶምን።
ግና ሓይለይ ምእንቲ ኸርእየካ፥ ስመይውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ምእንቲ ኽንገር ኣልዒለካ ኣለኹ።
ፈርዖን ከዓ ዝናምን በረድን ነጐድጓድን ከም ዝሓደገ ምስ ረአየ፥ ደጊሙ በደለ፤ ንሱን መኳንንቱንውን ልቦም ኣትረሩ።
ግና ብትረት ልብኻን ብዘይምንሳህኻን፥ በታ ቕኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር ዝወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ፥ ንባዕልኻ መቕሰፍቲ ትእክብ ኣለኻ።
እኳ ደኣ፥ “ሎሚ” ተብሂሉ ዝፅዋዕ መዓልቲ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብናይ ሓጢኣት ምትዕሽሻው፥ ናይ ሓደ ሰብ ልቢ እኳ ምእንቲ ኸይተርር፥ በብመዓልቱ ንስንሳትኩም ተመዓዓዱ።