4 እቶም ፍልስጥኤማውያን ከዓ “እቲ መስዋእቲ በደል እንመልሰሉኸ ኸመይ ዝበለ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎም። ንሳቶም ድማ ኸምዙይ በልዎም፦ “እቲ መዓት ንዅልኻትኩምን ንሹመኛታትኩምን ሓደ ዓይነት እዩ እሞ፥ ከም ቍፅሪ እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓሙሽተ ምስሊ ሕበጥን፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓሙሽተ ምስሊ ኣናፁን ኣቕርቡ።
ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ካብ ግብፃውያን “ብብሩርን ብወርቅን ዝተሰርሑ ኣቑሑን ክዳውንትን” ለመኑ።
ካብታ ኣብ ቅድሚ ግብፂ ዘላ ሺሖር ንሰሜን ከዓ ኽሳዕ እታ ምስ ምድሪ ከነዓን እትቝፀር ወሰን ኣስቀሎና፥ ናይቶም ዔዋውያን ዝነበሩ፥ ኣብ ጋዛ፥ ኣብ ኣዛጦን፥ ኣብ ኣስቀሎና፥ ኣብ ጌት፥ ኣብ ኣስቀሎና ናይ ዝገዝኡ፥ ናይ ሓሙሽተ ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ምድሪ እያ።
መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ናብ ሶምሶን መፀ፤ ናብ ኣስቀሎና ወሪዱ ድማ፥ ካብኣቶም ሰላሳ ሰባት ቀተለ፤ ንኣኣቶም ገፊፉ ድማ፥ ነቶም ትርጉም ሕንቅሕንቅሊተይ ዝገለፁሉ እቲ ቕያር ክዳውንቲ ሃቦም። በዙይ ኰርዩ ናብ እንዳ ኣቦኡ ኸደ።
ሓሙሽቲኦም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን፥ ኵሎም ከነዓናውያን፥ ሲዶናውያን፥ እቶም ኣብ እምባታት ሊባኖስ፥ ኣብ እምባ በዓል ሄርሞን ክሳዕ መእተዊ ሓማት ዝነብሩ ኤዋውያን።
እቶም ዘይሞቱ ሰባት ድማ ሕበጥ ወቕዖም፤ ኣውያት እታ ኸተማ ኸዓ ኽሳዕ ሰማይ ደየበ።
መቕፃዕቲ እግዚኣብሄር ድማ ንሰብ ኣዛጦን ከበደቶም፤ ንኣኣቶምን ነቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ህዝብን ብሕበጥ ወቒዑ ኣጥፍኦም።
ናብ ጌት ምስ ወሰድዎ ኸዓ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ብዓብዪ ድንጋፀ ቐፅዓ፤ እቶም ህዝቢ እታ ኸተማ ኸዓ ብየመና ዓብዪ ፍርሒ ኣዕገርገሩ። ንሰብ እታ ኸተማውን፥ ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ብሕማም ሕበጥ ቀፅዖም።
እምበኣርከስ ምስሊ እቲ ሕበጥኩምን ምስሊ እተን ንሃገር ዘጥፍኣ ኣናፁን ግበሩ፤ ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ኽብሪ ሃብዎ፤ ምናልባሽ እቲ ኢዱ ኻብ ልዕሌኹምን፥ ካብ ልዕሊ ኣማልኽትኹምን፥ ካብ ልዕሊ ምድሪኹምን የቕልል ይኸውን።
ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ወሲድኩም ኣብቲ ሰረገላ ግበርዎ፤ እቲ ንመስዋእቲ በደል እትመልሱሉ ኣቕሑ ወርቂ ኸዓ ኣብ ሳፁን ጌርኩም ኣብ ጐድኑ ኣንብርዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ፤