2 ፍልስጥኤማውያን ነቶም ካህናትን ጠንቈልትን ፀዊዖም፦ “ንታቦት እግዚኣብሄር እንታይ ንግበሮ? ኸመይ ጌርና ናብ ቦታኡ ኸም እንመልሶ ኣፍልጡና” በልዎም።
ምስ ወግሐ፥ መንፈሱ ተጨነቐ፤ ሽዑ ልኢኹ ንዅሎም ጠቢባንን ፈላጣት ግብፂን ፀውዖም። ሕልሙ ኸዓ ነገሮም፤ ክፈትሐሉ ዝኸኣለ ግና ኣይነበረን።
ፈርዖን ድማ ነቶም ጠቢባንን ጠንቈልትን ፀውዖም። እቶም ጠንቈልቲ ግብፂውን ብስራዮም ከምኡ ገበሩ።
ብናይ ምብራቕ ሰባት ክፉእ ኣመል ስለ ዝተመልኡ፥ ከም ፍልስጥኤማውያን ከዓ ስለ ዝጠንቈሉ፥ ምስ ደቂ ጓናውን ስለ ዝተሓባበሩ፥ ንቤት ያእቆብ ህዝብኻ ሓደግካዮም።
ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ንተርጐምቲ ሕልሚ፥ ንጠንቈልቲ፥ ንምትሃተኛታት፥ ንኣስማተኛታት፥ ንከለዳውያንን ክፅውዑሉ ኣዘዘ። ንሳቶም ከዓ መፂኦም ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ቆሙ።
ዓው ኢሉ ድማ “ነቶም ኣስማተኛታትን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ኣእትውዎም” ኢሉ ተዛረበ። እቲ ንጉስውን ነቶም ጠቢባን ባቢሎን “ዝኾነ ይኹን ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ዘንብባን፥ ትርጉማ ኸዓ ዝነግረንን፥ ቀይሕ ሃሪ ኽለብስ፥ ናይ ክብሪ ወርቂ ኣብ ክሳዱ ኽኣስር፥ ኣብታ መንግስቲ ድማ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን እዩ” ኢሉ ተዛረቦም።
ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃነ ካህናትን መምህራን ህዝብን ኣኪቡ፥ “ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዝውለድ?” ኢሉ ጠየቖም።
ልኡኻት ሰዲዶም ከዓ ንዅሎም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም፥ “ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ንግበሮ” በሉ። ንሳቶም ከዓ “ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብ ጌት ይኺድ” በሉ። ስለዙይ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብኡ ኣግለስዎ።
ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ሸውዓተ ወርሒ ምስ ገበረ፥