12 እተን ኣላሕም ድማ፥ እምባሕ እናበላ፥ በቲ ጐደና የማነ ፀጋም እንተይበላ፥ ናብ ቤትሳሚስ ናብ ዝወስድ መንገዲ ኣቕኒዐን ከዳ። እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኽሳዕ ወሰን ቤትሳሚስ ደድሕሪአን ከዱ።
ወዲ ዴቀር ኣብ ማቃፅን ኣብ ሸዓልቢምን ኣብ ቤትሳሜስን ኣብ ኤሎንቤትሓናንን፥
ፈርዖን ግና እቲ መዓት ከም ዝሃድአ ምስ ረአየ፥ ልቡ ኣትረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
ደቂ እስራኤል ከዓ “ብጐደና ኢና እንሓልፍ፤ ንሕናን ከፍትናን ካብ ማይካ እንተ ሰተና ድማ ዋጋኡ ንኸፍል። ንእግርና ጥራሕ ኢና እንሓልፍ እምበር እንደልዮ የብልናን” በልዎ።
ካብ በዓላ ንምዕራብ ድማ እቲ ወሰን ንእምባ ሴይር ይዘውር፤ ናብ ሰሜናይ ፀግዒ እምባ የዓሪም ከዓ ይሓልፍ፤ ንሱ ክሳሎን እዩ፤ ንቤትሳሜስ ወሪዱ ድማ ናብ ቲምና ይሓልፍ።
ንታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ሳፁንን ምስቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ ምስልታት ኣናፁን ምስልታት ሕበጥን ኣብቲ ሰረገላ ፀዓንዎ።
እቶም ሰብ ቤት ሳሚስ ድማ ኣብቲ ውሽጢ ለሰ፥ ስርናይ ይዓፅዱ ነበሩ። ኣዒንቶም ቈላሕ ኣቢሎም ከዓ ነቲ ታቦት ረአይዎ እሞ ተሓጐሱ።
ናበይ ከም ዝኸይድ ድማ ረአይዎ። ናብ ሃገሩ ዝወስድ መንገዲ ሒዙ ናብ ቤት ሳሚስ እንተ ደየበ፥ ሽዑ እዝ ብርቱዕ መቕፃዕቲ እዙይ ዘውረደልና እግዚኣብሄር እዩ፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ እዝ መዓት እዙይ ባዕሉ ዝኾነ እምበር፥ ዝወቕዐና ናቱ ኢድ ከም ዘይኮነ ኽንፈልጥ ኢና።”