Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 5:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ናብ ጌት ምስ ወሰድዎ ኸዓ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ብዓብዪ ድንጋፀ ቐፅዓ፤ እቶም ህዝቢ እታ ኸተማ ኸዓ ብየመና ዓብዪ ፍርሒ ኣዕገርገሩ። ንሰብ እታ ኸተማውን፥ ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ብሕማም ሕበጥ ቀፅዖም።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 5:9
11 Referencias Cruzadas  

ንፀላእቱውን ብድሕሪኡ ቐተለ፤ ናይ ዘለኣለም ሓሳርውን ሃቦም።


ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዝሃድም እሞ ድቢ ዘጋጥሞ ሰብ፥ ከምቲ ናብ ቤቱ ኣትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዘፀግዕ እሞ ተመን ዝነኽሶ ሰብ እዩ።


ካብ ማእኸል ሰፈር ተቘሪፆም ክሳዕ ዝጠፍኡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረት።


ቃል እግዚኣብሄር እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄርውን እንተ ዘይሓሊኹም ግና ሽዑ ኸምቲ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ዝቐፅዖም ንኣኻትኩምን ንንጉስኩምን ክቐፅዐኩም እዩ።


ሽዑ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ኣስቀሎና ሰደድዎ። እቲ ታቦት ኣምላኽ ናብ ኣስቀሎና ምስ መፀ፥ እቶም ኣስቀሎናውያን “ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኽቐትሉናስ፥ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ኣምፂኦምልና” ኢሎም ኣእወዩ።


ቅፅዓት እግዚኣብሄር ከዓ ኣብኣ የመና ስለ ዝኸበደ፥ ንዅላ እታ ኸተማውን ፍርሓት ሞት ስለ ዝሓዛ፥ ንዅሎም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም “እዝ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኸይቐትለናስ፥ ስደድዎ፤ ናብ ስፍራኡ ኸዓ ይመለስ” በሉ።


መቕፃዕቲ እግዚኣብሄር ድማ ንሰብ ኣዛጦን ከበደቶም፤ ንኣኣቶምን ነቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ህዝብን ብሕበጥ ወቒዑ ኣጥፍኦም።


ንታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ሳፁንን ምስቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ ምስልታት ኣናፁን ምስልታት ሕበጥን ኣብቲ ሰረገላ ፀዓንዎ።


ፍልስጥኤማውያን ተስዓሩ፤ ብድሕሪኡ መሊሶም ንወሰን እስራኤል ኣይወረርዎን። ብዅሉ ዘመን ሳሙኤል ድማ መቕፃዕቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ከቢዱ ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos