3 ሰብ ኣዛጦን ድማ ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፥ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ረኸብዎ። ኣልዒሎም ከዓ ናብ ስፍራኡ መለስዎ።
ንሳቶም ድማ ነቲ ዝሃብዎም ዝራብዕ ወሰዱ፤ ኣሰናድዮም ከዓ፥ “ኦ በዓል፥ ምላሽ ሃበና” እናበሉ ኻብ ጊሓት ጀሚሮም ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ስም በዓል ፀውዑ። ግና ድምፂ ኣይነበረን፤ መልሲ ዝህብውን ኣይነበረን። ነቲ ዝሰርሕዎ መሰውኢ ድማ እናዘለሉ ይዞርዎ ነበሩ።
ኢድ ኣለዎም፤ ግና ኣይድህስሱን፤ እግሪ ኣለዎም፤ ግና ኣይኸዱን፤ ብጐረሮኦም ድማ ኣይናገሩን።
ኵሎም ንዝተቐረፀ ምስልታት ዝሰግዱን፥ ብጣዖታቶም ዝምክሑን ይሕፈሩ፤ ኵልኹም መላእኽቱ ስገዱሉ።
“በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብፂ ኽሓልፍ እየ፤ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ኽቐትል እየ። ንዅሎም ኣማልኽቲ ግብፂ ኸዓ ኽቐፅዖም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ብዛዕባ ግብፂ ዝተነግረ ፆር። እንሆ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፈጣን ደመና ተቐሚጡ ናብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ። ጣዖታት ግብፂ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ ልቢ ግብፃውያን ከዓ ኽመክኽ እዩ።
እቲ ኽሳዕ ክንድዙይ ከውፅእ፥ ዓቕሚ ዘይብሉ ድኻ ድማ፥ ዘይነቅዝ ዕንፀይቲ ይመርፅ፤ ከም ዘይነቓነቕ ምስሊ ገይሩ፥ ዘቑመሉ ኽኢላውን ይደሊ።
እቲ ሃናፂ ነቲ ኣንጠረኛ የፋጥኖ፤ በያዲ ኸዓ ነቲ ኣብ ወፀቓ ዝቕጥቕጥ ብናይ ምጥባቑ፥ ‘ፅቡቕ እዩ’ እናበለ የበረታትዖ፤ ከይነቓነቕ ከዓ ብሽንካር የፅንዖ።”
ኣልዒሎም ኣብ ማእገሮም ይፆርዎ፤ ኣብ ስፍራኡ ኸዓ የንብርዎ፤ ኣብኡ ይቐውም፥ ካብ ስፍራኡውን ንቕንቕ ኣይብልን። ሰብ ናብኡ እንተ ኣእወየ፥ ኣይምልስን ካብ መከራኡውን ኣየድሕኖን።
ኵላቶም ድንዙዛትን ዓያሹን እዮም፤ ከንቱ ናይ ጣዖታት ትምህርቲ፥ ዕንፀይቲ እዩ።
እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ዝተፈርሐ እዩ፤ ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ድማ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ኵሉ ደሴታት ኣህዛብ ዘለዉ ከዓ፥ ኵሎም ሰባት ኣብ በቦታኦም ኮይኖም ንእኡ ኽሰግዱሉ እዮም።
እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ምስ ረአይዎ “ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ” ኢሎም እናእወዩ ኣብ ቅድሚኡ ይወድቁ ነበሩ።
ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ሸውዓተ ወርሒ ምስ ገበረ፥
እምበኣርከስ ምስሊ እቲ ሕበጥኩምን ምስሊ እተን ንሃገር ዘጥፍኣ ኣናፁን ግበሩ፤ ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ኽብሪ ሃብዎ፤ ምናልባሽ እቲ ኢዱ ኻብ ልዕሌኹምን፥ ካብ ልዕሊ ኣማልኽትኹምን፥ ካብ ልዕሊ ምድሪኹምን የቕልል ይኸውን።