Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 5:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ቅፅዓት እግዚኣብሄር ከዓ ኣብኣ የመና ስለ ዝኸበደ፥ ንዅላ እታ ኸተማውን ፍርሓት ሞት ስለ ዝሓዛ፥ ንዅሎም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም “እዝ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኸይቐትለናስ፥ ስደድዎ፤ ናብ ስፍራኡ ኸዓ ይመለስ” በሉ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 5:11
7 Referencias Cruzadas  

መኳንንቱ ድማ ንፈርዖን “እዝ ሰብኣይ እዙይ ክሳዕ መኣዝ እዩ ዕንቅፋት ዝኾነና? ነዞም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከገልግሉ ስደዶም። ግብፂ ኸም ዝጠፍአትዶ ገና ኣይፈለጥካን ኢኻ?” በልዎ።


ሽዑ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ኣስቀሎና ሰደድዎ። እቲ ታቦት ኣምላኽ ናብ ኣስቀሎና ምስ መፀ፥ እቶም ኣስቀሎናውያን “ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኽቐትሉናስ፥ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ኣምፂኦምልና” ኢሎም ኣእወዩ።


መቕፃዕቲ እግዚኣብሄር ድማ ንሰብ ኣዛጦን ከበደቶም፤ ንኣኣቶምን ነቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ህዝብን ብሕበጥ ወቒዑ ኣጥፍኦም።


እምበኣርከስ ምስሊ እቲ ሕበጥኩምን ምስሊ እተን ንሃገር ዘጥፍኣ ኣናፁን ግበሩ፤ ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ኽብሪ ሃብዎ፤ ምናልባሽ እቲ ኢዱ ኻብ ልዕሌኹምን፥ ካብ ልዕሊ ኣማልኽትኹምን፥ ካብ ልዕሊ ምድሪኹምን የቕልል ይኸውን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos