9 ኣቱም ፍልስጥኤማውያን፥ ከምቲ ንሳቶም ባሮትኩም ዝነበሩ፥ ንስኻትኩም ከዓ ባሮት ዕብራውያን ከይትኾኑስ፥ ፅንዑ፤ ሰብኡት ኩኑ፤ እወ፥ ሰብኡት ኩኑ፤ ተዋግኡ” በሉ።
ኣይዞኻ ፅናዕ፤ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ፀኒዕና ንዋጋእ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኸም ፍቓዱ ይግበር” በሎ።
ደቂ እስራኤል ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ሃገር፥ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብዙሓት ኣህዛብ ክሕግዝዎም እዮም። ደቂ እስራኤል ድማ ነቶም ኣህዛብ፥ ኣብኡ ግዙኣትን ኣግራድን ገይሮም ገንዘቦም ክገብርዎም እዮም። ነቶም ማረኽቶም ዝነበሩ ኽማርኹ፥ ነቶም ዝገፍዕዎም ዝነበሩ ድማ ኽገዝእዎም እዮም።
ኣታ እንተይጠፋእኻ እተጥፍእ፥ ኣታ እንተይተጠለምካ እትጠልም ወይለኻ! ምጥፋእ ምስ ሓደግካ ኽትጠፍእ ኢኻ፤ ወንጀል ምስ ሓደግካ ኽትውንጀል ኢኻ።
ንቕሑ፤ ኣብ እምነትኩም ፅንዑ፤ በርትዑ፤ ጠንክሩ፤
ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ናብ ኢድ ደቂ ኣሞንን ከዓ ኣሕሊፉ ሃቦም።
ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣርብዓ ዓመት ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ሃቦም።
እቶም ቅድም ምስ ፍልስጥኤማውያን ዝነበሩ እሞ ኻብቲ ኸባቢ ምስኣቶም ናብቲ ሰፈር ዝደየቡ ዕብራውያን እውን ምስቶም ምስ ሳኦልን ዮናታንን ዝነበሩ እስራኤላውያን ክኾኑ መፁ።
ንግብፃውያን ብዅሉ ዓይነት መዓት ኣብ ምድረ በዳ ዝወቕዕዎም እዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም እዮም እሞ፥ ወይለና! ኻብ ኢድ እዞም ሓያላት ኣማልኽቲ እዚኣቶም መን ከድሕነና እዩ?