8 ንግብፃውያን ብዅሉ ዓይነት መዓት ኣብ ምድረ በዳ ዝወቕዕዎም እዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም እዮም እሞ፥ ወይለና! ኻብ ኢድ እዞም ሓያላት ኣማልኽቲ እዚኣቶም መን ከድሕነና እዩ?
ኣህዛብ ሰሚዖም ኣንቀጥቀጡ፤ ኣብ ፍልስጥኤም ንዝነብሩውን ቅልውላው ሓዞም።
ኢደይ ዘርጊሐ ንደቂ እስራኤል ብሓይለይ ካብ ማእኸሎም ምስ ኣውፃእኹ፥ ሽዑ ግብፃውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም።”
እንተ ዘይኮነ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ በዛ ጊዜ እዚኣ ዅሉ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ መኳንንትኻን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ክሰድድ እየ።
እዚኣቶም፥ በተን ዝንበዩለን መዓልቲታት፥ ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም፥ ንሰማይ ክዓፅውዎ ስልጣን ኣለዎም። ንማያት ናብ ደም ክልውጥዎ፥ ንምድሪ ኸዓ፥ ብዝደለይዎ ዓይነት ክቐስፍዋ፥ ስልጣን ኣለዎም።
ፍልስጥኤማውያን የመና ፈርሑ፤ “ኣምላኽ ናብ ሰፈሮም መፂኡ እዩ” እውን በሉ። ንሳቶም ከዓ “ቅድሚ ሕዚ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ኮይኑ ኣይፈልጥን እሞ፥ ወይለና!
ኣቱም ፍልስጥኤማውያን፥ ከምቲ ንሳቶም ባሮትኩም ዝነበሩ፥ ንስኻትኩም ከዓ ባሮት ዕብራውያን ከይትኾኑስ፥ ፅንዑ፤ ሰብኡት ኩኑ፤ እወ፥ ሰብኡት ኩኑ፤ ተዋግኡ” በሉ።
ሰብ ኣዛጦን ከዓ እቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ፥ “እግዚኣብሄር ንኣናን ንዳጎን ኣምላኽናን ይቐፅዐና ኣሎ እሞ፥ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ምሳና ኣይንበር” በሉ።